ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀውሲ ዋሕዚ ስደተኛታት ዝለዓለ ደረጃ ምብጽሑ ተገሊጹ


ኣብዚ ሕጂ እዋን ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መልክዕ ኣብ መላእ ዓለም 68.5 ሚልዮን ሰባት ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም ከምዘለውን እዚ ድማ እቲ ዝለዓለ ቁጽሪ ተመዛበልቲ ምኳኑ ጸብጻብ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።25 ሚልዮን ኣፍሪቃዊያን ድማ ካብ ሃገሮም ተሰዲዶም ይነብሩ ከምዘለው ተሓቢሩ።

ሎሚ ሰነ 20 መዓልቲ ስደተኛታት ኣብ መላእ ዓለም ተዘኪሩ ይውዕል። ኣብ ወርሒ ሰነ 2016 ድማ ናይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ስደተኛታት ኤጄንሲ #withrefugeepetition ብዝብል መሪሕ ቃል መንግስታት ምስ ስደተኛታት ክተሓባበሩን ክሰርሑን ፊርማ ናይ ምትእኽካብ ወፍሪ አካይዱ ኔሩ እንተኾነ እዚ መልእኽቲ ብግቡእ ዝበጽሓ ኣይመስልን ።

ብመሰረት ጸብጻብ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መላእ ዓለም ኣስታት 68 ሚልዮን ሰባት ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም ይርከቡ።ወሃቢ ቃል ናይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ስደተኛታት ኤጄንሲ ክሪስ ቦየን እቲ ኩነታት ዘስካሕኽሕ’ዩ ይብሉ።

“ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ሰከንድ( ካልኢት) ሓደ ውልቀ ሰብ ካብ መነባብር ይመዛበል። እዞም ሰባት ኣማራጺ ረኺቦም ዘይኾነ ብህይወት ንምጽናሕ ካልእ ኣማራጺ ስለዘይብሎም ይስደዱ።”

ንሶም ብተወሳኺ ኩናት፡ግጭትን ስቅያትን ቀንዲ ምክንያት ዋሕዚ ስደተኛታት ዓለም እዮም ይብሉ።

ንጉዳይ ዋሕዚ ስደተኛታት ግብረ መልሲ ኣብ ምሃብ ቀንዲ መርገጺ ሰብኣዊነት ክጠፍእ ይረአ ዝበለ ድማ ፕረዚደንት ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ኮሚተ ጉዳይ ስደተኛታት እስክንድር ነጋሽ’ዩ። ንሱ ብተወሳኺ መንግስታት ሓሓሊፎም ንጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ክንዲ ጉዳይ ሰብኣዊነት ጉዳይ ጸጥታ ጌሮም ይርእይዎ ይብል።

“ ነዞም ስደተኛታት ከም ደቂ ሰባት ኣይርእይዎን እዮም። ሸኸም ሕብረተሰብ ጌሮም እዮም ዝርእይዎም። መንግስታት ስደተኛታት ይፈርሑ ኣለው። ንሓደ ሰብ ትፈርሖ እንተኮይኻ ድማ ክትቕበሎ የጸግም እዩ።”

ኣብ መወዳእታ ወሃቢ ቃል ናይ ሕቡራት ሃገራት ኤጄንሲ ስደተኛታት ክሪስ ቦይን እዚ ጸገም ሰብኣዊ ጉዳያት እዩ ስለዚ ድማ ኩሎም ሃገራት ብሓባር ክሰርሑን ሓባራዊ ዝኾነ ንኹሉ ዝጠቕም መፍትሒ ከናድዩ ንመኽር ኢሎም ኣለው።

ንዝያዳ ሓበሬታ ኣብዚ ምንባብ ይክኣል።https://projects.voanews.com/refugee-map/

XS
SM
MD
LG