ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀውሲ ስደተኛታት ፈረንሳ ናብ ጎደናታት ይውሕዝ ምህላው ከምዘሻቐሎም ዘይመንግስታዊ ትካላት ሓቢሮም


ቀውሲ ስደተኛታት ፈረንሳ ናብ ጎደናታት ይውሕዝ ምህላው ዘሻቐሎም ዘይመንግስታዊ ትካላት ሓቢሮም
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:53 0:00

ቀውሲ ስደተኛታት ፈረንሳ ናብ ጎደናታት ይውሕዝ ምህላው ከምዘሻቐሎም ዘይመንግስታዊ ትካላት ሓቢሮም

ኣብ ከተማ ፓሪስ ፈረንሳ ዝርከቡ ዘይመንግስታዊ ትካላት ቀውሲ ስደተኛታት’ታ ሃገር ናብ ጎደናታት’ታ ከተማ ይውሕዝ ብምህላው ዘለዎም ሻቅሎት ሓቢሮም።

ኣብ ካልያን ሰሜናዊ ክፋል ፈረንሳ ዝርከቡ መዓስከር ስደተኛታት ዝሓለፈ ዓመታት ድሕሪ ምዕጻዎም ዝበዝሑ ካብቶም ኣብዘን መዓስከር ዝነበሩ ስደተኛታት ናብ ዓበይቲ ከተማታት’ታ ሃገር ምግዓዞም ይፍለጥ።

ተረ ደ ኣስሊ ናይ ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ትካል ዳይሬክተር ፔር ኤንሪ “ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ጎደናታት ዝነብሩ ውሑዳት ሰባት ኔሮም፡ ሕጂ ግን እታ ቁጽሪ ብጣዕሚ ብዙሕ እዩ። እዚ ክትቕበሎ’ውን ዘጸግም’ዩ” ይብል።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ድማ እቲ ኩነታት ዝያዳ ምግዳዱ ይግለጽ ኣሎ እንተኾነ ካብ መንግስቲ ዝተዋህበ ግብረ መልሲ የለን።

“ ኣብዚ ሕጂ እዋን ጉዳይ ቀውሲ ዋሕዚ ስደተኛታት ሓሊፍናዮ ኢና። ንኣብነት ጀርመን 1.5 ሚልዮን ስደተኛታት ተቐቢላ’ያ ግን ኣብ ጎደናታት’ታ ሃገር ዝነብሩ ስደተኛታት የለውን። ኣብዚ ግን 100,000 ዝኾኑ ኢና ተቐቢልና እቶም ኣብ መዓስከር ዝነብሩ ድማ ውሑዳት ብኣማኢት ዝቑጸሩ እዮም። ኩነታት እቶም ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ዝነብሩ ብጣዕሚ ኣተሓሳሰቢ’ዩ ዘሎ” ኢሎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ብሰንኪ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ስደተኛታት ዘሎ ውጥረት ብዙሓት ዘይመንግስታዊ ትካላት ሓገዝ ምሃብ ኣቋሪጾም’ዮም። ኣብዚ ሕጂ እዋን ስደተኛታት ካብ ወለንተኛታት ሓገዝ ወሃብቲ ጥራይ ሓገዝ ይረኽቡ ምህላዎም ይግለጽ ኣሎ።

መብዛሕትኦም ስደተኛታት ክልለዩ ኣይደልዩን እዮም ስለዚ ናብ ካሜራ ቐሪቦም ርእይትኦም ክህቡ ፍቓደተኛታት ኣይኮኑን።

ምሕረትኣብ ኤርትራዊ ስደተኛ ኮይኑ ናብ ፈረንሳ ካብ ዝመጽእ 10 መዓልታት ኣቑጺሩ’ሎ።

“ መብዛሕትኦም መሓዙተይ ኣብዚ ኣለው። ካብ ኤርትራ፡ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝመጹ እዮም” ይብል። ፈረንሳ ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ክትቕበሎ ዘሎ ተኽእሎ ትሑት እዩ ስለዚ ነዚ ቦታ ለቒቑ ምኻዱ ዘይተርፍ እዩ።

መንግስቲ ፈረንሳ ቁጽሪ ንስደተኛታት ዝወሃብ ኣባይቲ እንተወሰኸ’ኳ ቁጽሪ ኣብ ጎደናታት ዝነብሩ ስደተኛታት ግን ሕጂ’ውን ልዑል እዩ።

ስለዝኾነ ድማ ኣብታ ሃገር ዝንቀሳቀሱ ዘይመንግስታዊ ትካላት ሓደ ዓይነት ዝኾነ ናይ ዑቕባ መስርሕ ኣብ መላእ ኣውሮጳ ክሳብ ዘይተኣታተወ ከምዚ ዓይነት ጸገም ከምዝቕጽል ይገልጹ ኣለው።

XS
SM
MD
LG