ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀዋሚት ወኪል ኤርትራ ኣብ ሕ/ሃ ወ/ሮ ሶፍያ ተ/ማርያም ወቐረት መዝነተን ንዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ኣረኪበን


ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሓዳሽ ቀዋሚት ወኪል ኤርትራ ወ/ሮ ሶፊያ ተስፋማሪያም ዮሃንስ ናይ መዝነት ደብዳብኤን ንዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረስ ትማሊ ሓሙስ ኣረኪበን።

ወ/ሮ ሶፊያ ቅድሚ ሎሚ ካብ 2005 ጀሚረን ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ‘ናይ ኣሜሪካ ፋውንደሽን ንቀርኒ ኣፍሪቃ’ ናይ ዝተባህለ ትካል ፈፃሚት ዳይሬክተር ብምዃን ከምዘገልገላ ሕቡራት ሃገራት ዘውፅኦ መግለፂ ይሕብር።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ክፍሊ ምምሕዳር ኩባኒያ ቦይንግን ካልኦትን ከምዝሰርሓ እውን እቲ መግለፂ ወሲኹ ገሊፁ።

ኣብ ኣሜሪካ ክፍለ ግዝኣት ኣሪዞና ከተማ ፌነክስ ካብ ዝርከብ Western International University ብማኔጅመን ባችለር ድግሪ ከምዝተመረቓ እቲ ሓበሬታ ይገልፅ።

25 ግንቦት 1960 ኣብ ኣስመራ ዝተወልዳ ወ/ሮ ሶፊያ በዓልቲ ሓዳርን ኣደ ሰለስተ ቆልዑን እየን።

XS
SM
MD
LG