ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀታሊ ኒፕስይ ሃስል ን60 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱ


ኤርትራዊ-ኣመሪካዊ ኤርሚያስ ኣስገዶም (ኒፕስይ ሃስል)- ፋይል
ኤርትራዊ-ኣመሪካዊ ኤርሚያስ ኣስገዶም (ኒፕስይ ሃስል)- ፋይል

ንዕዉት ሽልማት ግራሚ ኤርትራዊ-ኣመሪካዊ ኤርሚያስ ኣስገዶም (ኒፕስይ ሃስል) ኣብ 2019 ኣብ ሎስ-ኣንጀለስ ንዝቐተለ ሰብ ትማሊ ረቡዕ ን60 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዱ።

ቤት ፍርዲ ሎስ-ኣንጀለስ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ ብይን፡ ኤሪክ ሆልደር በቲ ኣሰቃቒ ቅትለት ኒፕስይ ን50 ዓመታት ማእሰርቲ ክፈርዶ እንከሎ፡ ኣብ ተመሳሳሊ ኣከባቢ ንኽልተ ሰባት ብጥይት ብምህራሙ ድማ ተወሳኺ ዓሰርተ ዓመት፡ ብድምሩ ድማ 60 ዓመታት ማእሰርቲ ፈሪዱዎ።

ካብ ቀታሊ ጕጅለ ወጺኡ፡ ኣብ ሙዚቃ ራፕን ትካላት ንግዲን ዓቢ ለውጢ ዝገብር ዝነበረ ኤርሚያስ ኣስገዶም ኣብ 2019 ኣብ ዝተቐትለሉ ንብዙሓት ወገናት ዘሕዘነ ጸሊም ፍጻመ’ዩ ነይሩ።

ኤርሚያስ ኣስገዶም ኣብ 2020 ድሕሪ ሞቱ ሽልማት ግራሚ ወሲዱ’ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ነሓሰ ድማ ኣብ መበል 37 ዓመቱ፡ ኣብ መዝገብ ስሙያት ሰባት ሆልይዉድ (Hollywood Walk of Fame) ብስሙ ኮዀብ ተሰሪሑሉ።

XS
SM
MD
LG