ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀርኒ ኣፍሪቃ፤ ኣስታት 20 ሚልዮን ህዝቢ ሓደጋ ደርቂ የንጸላሉዎ


ኣብ ኢትዮጵያ ብደርቂ ዝሞታ ከብቲ - ፋይል
ኣብ ኢትዮጵያ ብደርቂ ዝሞታ ከብቲ - ፋይል

ኣብቲ ንኣርባዕተ ተደራሪቢ ናይ ዝናብ ወቕታት ዝተጓናደቦ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣስታት 20 ሚልዮን ህዝቢ ከቢድ ጥሜት የንጸላሉዎም ምህላዉ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣጠንቂቑ።

ብመሰረት ጸብጻብ ፕሮግራም መግቢ ዓለም እቶም ሓደጋ ደርቂ ዘንጸላልወን ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ብቐንዱ ድማ በቲ ጥሜት ተጠቒዓ ዘላ ሶማልን እየን። ዝናብ ዝጅምረሉ እዋናት ሕጂ’ውን ብምብኳሩ እቲ ሓደጋ እናበኣሰ ከም ዝኸይድ ፕሮግራም መግቢ ዓለም የጠንቅቕ። ኣብ ኢትዮጵያ ድሮ ንኣስታት 7.2 ሚልዮን ህዝቢ ጸልዩ፡ ንኣስታት ሓደ ሚልዮን ዝዀና ከብቲ’ውን ቀቲሉ ኣሎ።

ኣብ ኬንያ ብተመሳሳሊ ንኣስታት ሰለስተ ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ድርኵኺት ዓጸቦ ከቓልዖም እንከሎ፡ ብመሰረት ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ኣብ ሶማል ብዝሒ በዚ ደርቂ ዝተጸልዉ ህዝቢ ሽዱሽተ ሚልዮን በዚሖም ኣለዉ። እዚ ኣሃዝ’ዚ ኣስታት 40% ናይ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ሶማል ምዃኑ’ዩ።

ዳይረክተር ፕሮግራም መግቢ ዓለም ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዀነ ማይክል ዳንፎርድ ነቲ ዘሎ ሻቕሎት ክገልጾ እንከሎ፡“እቲ ኵነታት ኣዝዩ ሕማቕ’ዩ ዘሎ። መሊሱ እናገደደ ድማ ይመጽእ ኣሎ። ምናልባት ዝናብ እንተ ሃረመ ኢልና ኢና ብተስፋ ንጽበ ዘሎና። ዋላ’ውን ዝናብ እንተ ሃረመ፡ እቲ ህዝቢ ድሮ ተዳኺሙ’ዩ። መዕቆሪ ማይ የሎን፡ መጓሰ በቲኸን’የን፡ ዘራእቲ ድማ ሃጒጉ። ከም ገለ ጌርና ክንመልሶ እንተ ዘይክኢልና ኣዝዩ ከቢድ ሓደጋ’ዩ ዘንጸላሉወና ዘሎ”። ንሱ ወሲኹ ህጻናት ብሰንኪ ዓጸቦ ይሞቱ ምህላዉ’ውን ይጠቅስ።

ንሰበ-ስልጣን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዝያዳ ኣሻቓሊ ኰይኑ ዘሎ፡ እቲ ዝድለ መጠን ገንዘብ ከዋህልሉ ዘይምኽኣሎም’ዩ። ነቲ ዘንጸላሉ ዘሎ ሓደጋ ደርቂ ንምግጣም 370 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ኣሚቶም ኣለዉ። ካብኡ ግን 13% ጥራይ’ዩ ተረኺቡ ዘሎ።

ወራር ዩክሬን ንቅልውላው ደርቂ ቀርኒ ኣፍሪቃ መሊሱ ከም ዘግደዶ ዳንፎርድ ይዛረብ። ዋጋ ነዳዲ ወሲኹ፡ ካብ ዩክሬንን ሩስያን ዝመጽእ ዝነበረ ቀረባት መግቢ ድማ ደው ምባሉ ድማ ዓቢ ጋግ ከም ዝፈጠረ ዳይረክተር ፕሮግራም መግቢ ዓለም ቀርኒ ኣፍሪቃ ይሕብር።

Recommended

XS
SM
MD
LG