ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሽዱሽተ ውድባት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ናይ መረዳድኢ ሰነድ ፈሪሞም


ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ለውጢ ንምዕጻፍ ዝግበር ምንቅስቃስ ንምምካት ግንባር ክንፈጥር አለና ዝበሉ ተፎኻኽርቲ ውድባት ፖለቲካ ናይ መረዳድኢ ሰነድ ተፈራሪሞም።

እቶም ፓርቲታት ኢትዮጵያ ዲሞክራሲ ዝዓሰላ ሃገር ክትኸውን ንብዙሕ ዓመታት በበይኖም ክቃለሱ ከምዝጸንሑ’ውን ገሊጾም ኣለው።

ግንባር ፈጢሮም ብሓባር ንምስራሕ ዝተሰማምዑን ነቲ ሰነድ ዝፈረሙን ተፎኻኸርቲ ውድባት ናይ መላእ ኢትዮጵያ ሓድነት (መኢኣድ)፡ ኣብዮታዊ ፓርቲ ኢትዮጵያ (ኢህአፓ)፡ ዲሞክራሲያዊ ሕብረት ኢትዮጵያ (ኢድህ)፡ ብሄራዊ ሓድነት ፓርቲ ኢትዮጵያ፡ፍትሓዊ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ህዝብታት ዓፋርን ፓርቲ ነጻነት ህዝቢ ዓፋርን እዮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ሽዱሽተ ውድባት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ናይ መረዳድኢ ሰነድ ፈሪሞም
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:01 0:00

XS
SM
MD
LG