ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሽወደን ኣንጻር ቱርኪ ሰለማዊ ስልፊ ምፍቃዳ፡ ዋጋ ከኽፍላ ምዃኑ ፕረዚደንት ቱርኪ የጠንቅቕ


ኣብ ስቶኮልም ሽወደን ንሰሙን ዝቐጸለ ንኩርዳውያን ዝድግፍን “ንእምነት እስልምና ዝዝልፍን” ዝበሎ ሰለማዊ ሰልፊ ምክያዱ፡ እታ ሃገር ናብ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ንምጽንባር እትገብሮ ሕቶ ድጋፍ ከም ዘይህብ ፕረዚደንት ቱርኪ ረጂብ ጠይብ ኤርዶዋን ኣጠንቂቑ።

እቲ ንፕረዚደንት ቱርኪ ዘቖጥዐ ተግባራት፡ ምቅጻል ቅዱስ መጽሓፍ ቁርዓን’ውን ዝርከቦ ምዃኑ እቲ ተግባር ንምሉእ ኣማኒ እስልምና ዘለፋ’ዩ ክብል ገሊጹዎ። ገለ ካብቲ ሰለማዊ ሰልፍታት ኣብ ቅድሚ ኤምባሲ ቱርኪ ኣብ ስቶኮልም ምክያዱን ፖሊስ ሽወደን ክዓግቶ ዘይምፍታኑን ድማ እቲ ተግባር ቀጥታዊ ሳዕቤን ክህሉዎ ምዃኑ ፕረ.ኤርዶዋን ኣጠንቂቑ።

እቲ ፕረዚደንት ወሲኹ፡ ሽወደን ናብ ኔቶ ንምጽንባር እትግበሮ ሕቶ ድጋፍ ከም ዘይህልዋ ብግልጺ ተዛሪቡ።

ሽወደንን ፊላንድን ካብ ሩስያ ክህሉ ንዝኽእል ስግኣት ንምውጋድ ኣባል ኪዳነ ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ንምዃን ሕቶ ከም ዘቕረባ ይዝከር። ሓንቲ ካብ ኣባል’ቲ ኪዳን ዝዀነት ቱርኪ ንሕቶ ኣባልነት እተን ሃገራት ክትነጽግ ምሉእ ዓቕሚ ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG