ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሽቅለት ኣልቦነት ቫይረስ ኮሮና ንምቅላስ ናብ ሕምብርቲ እቲ ቫይረስ ዝለዎ ዝኸዱ ሰብ ሞያ ጥዕና


ብሰንኪ ቫይረስኮሮና ዝተዓፀው ምንቅስቃሳት ኣሜሪካ ቀስ ብቀስ ይኽፈት አሎ፡፡ለበዳ ቫይረስ ኮረና ንዓውድታት ማእከላት ጥዕና ሓዊሱ ንቁጠባ እታ ሃገር ከምዘናወጻ ይፍለጥ ፡፡

አብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ጥዕናን ስድረኦምን እውን ዝወረደ ሃሰያ ድሕሪ ኮቪድ 19 አብ ቁጽጽር ምውዓሉ እውን እንተኾነ ብቀሊሉ ዝፍታሕ አይኮነን፡፡

ዶክተር ማይክ ዊልሶን አብዚ እዋን ናብ ቴክሳስ ናብ ሸውዓተ አባላት ዝሓዘት ስድራ ቤቱ ተመሊሱ አሎ፡፡

"እዚ እዋን እዚ ግና ካብቲ ቅድሚ አዋርሕ ሜዲካል ዳይሪክተር ሆስፒታል ኒውዮርክ ኮይኑ ዘገልገለሉ እዋን ዝተፈለየ እዩ ፡፡ ዶክተር ማይክ አብ ሆስፒታል ኒውዮርክ ን 22መዓልታት ብዘይ ምቁራጽ ንመልቲ 14 ሰዓታት ዝሰርሓሉ እዋን ከምዝነበረ ይዝክር፡፡"

አብ ኒውዮርክ ቁጽሪ ብኮረና ቫይረስ ዝተለከፉ ሰባት እናነከየ ምስ መጸ ግና ዶክተር ዊልሰን ቴክሳስ ናብ ዝርከብ ስድርኡን ይሰርሓሉ ናብ ዝነበረ ሆስፒታልን እንተተመልሰ ናብ ስርሑ ክምለስ አይከአለን፡፡ምኽንያቱ ዶ/ር ዊልሰን ከምዚ ክብል ይገልጾ፡፡

"ዝሕከሙ ሰባት ስለዘይነበሩ ሓኪም አየድልዮምን ነይሩ፡፡ስለዝኮነ ነርስታትን ዶክተራትን ከይትመጹ ተባሂሎም፤ ንግዚኡ ካብ ስራሕ ጠጠው ኢሎም እዮም ዘለዉ፡፡ ''

ዝርግሐ ለበዳ ቫይረስኮረና አዚዩ አብ ዝነሃረላ ወርሒ ሚያዝያ ኣገልግሎት ጥዕና አሜሪካ 1.4 ሚሊዮን ሰራሕተኛታቱ ካብ ስራሕ አሰናቢቱ'ዩ፡፡

መጠን ለበዳ እቲ ቫይረስ አዚዩ እናከፍአ ምስ ከደ ሆስፒታላት ቀንዲ ምንጪ እቶተን ንዝነበረ መስርሕ ሕክምና መጥባሕቲ ገቲኦም ክፍልታቶም ንመቀ፟በሊ ሕሙማት ቫይረስኮረና አወዒሎሞ እዮም። ቅድሙ'ውን ገንዘባዊ ጸገም ዝነበረን ንኣሽቱ ሆስፒታላት ዳርጋ ናብ ድርኩኺት ውድቀት በጺሔን'የን፡፡

ዶክተር ሩቺታ ጋንዲ ሓንቲ ወቅዒ ዘጋጠማን ናብ ሆስፒታል ደንጉያ ዝመጸትን ሕምምቲ (ዝሕክም ዝነበረ) (ትሕክም ነበረት ።ብህይወት ከተትርፋ ግን አይከአለትን ።

Act

'' እቲ ምዕጻው ደም ክንሪኦ ከለና አዚዩ ዝኽፍአ ሙኻኑ ኢና ተዓዚብና ።ኩላትና'ውን አዚና ኢና ሓዚንና ። እዚ ጸገም ሓደ ካብቶም ውጺኢቶም ክንልውጦም አንኽአሎም ጸገማት ሓደ እዩ ። እዛ ሰበይቲ አብ ውሽጢ 24 ሰዓታት እንተትመጸና ነይራ እቲ ዘጋጠማ ሕማም ምአለናላ ነይርና።

End Act

ሕሙማት ናብ ክፍሊ ህጹጽ ሕክምና ንዘይምኻድ ስለዝወሰኑን ሆስፒታላት አታውታተን ስለዝነከየ ንመብዛሕቶም ሰራሕተኛታተን ነክየነኦም'የን። ብፍላይ አብ ገጠራት ዘለዋ ክፍሊ ህጹጽ ሕክምነአን ብሓደ ወይ ክልተ ዶክተራት'ዩ ዝሰርሕ ዘሎ፡፡

መስራቲት 23-ሽሕ አባላት ዘለውዎ ማሕበር ሓኻይም ህጹጽ ሕክምና ሙድይ ዶክተር ሙድይ አባላተን አብ ዝሰርሕሉ ሆስፒታላት ሕጽረት ዶክተራት ምባል ካብ ስራሕ ከየስጉጎም ይፈርሁ'ዮም ድሕሪ ምባል ከምዚ ትብል።

Act

"ዋላ ክልተ መካይን አብ ደገ ጠጠው ዝበላ እንተሊየን አበኡ ሰባት የድልዩና እዮም።መጠን እቲ ሕማም መዓስ ከምዝደግስን ከምዝውስኽን አይንፈልጦን ስለዚኩልግዘ ድሉዋት ክንከውን አለና።"

End Act

ዶክተር ሙድይ ወሲኻ ሆስፒታላት አሜሪካ ኩልግዘ ሕጽረት ገንዘብ የጋጥመን እዩ ። ሎሚ ድማ ብኢስዎ እዩ ዝረአ ዘሎ ትብል። ብምቅጻል

Act

"ከም ኢንዱስትሪ እዩ ዝከውን ዘሎ። ከምኡ ክኾውን አይነበሮን ፤ሓደሰብ ነቲ ካልእ ሰብ ዝሕብሕበሉ

ስፍራ እዩ ክኾን ዝነበሮ።"

End Act

ቫይረስ ኮረና ዝውረዶ ጉዳት ንምክሕሓስ ተባሂሉ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ካብ ዝተፈቅ፟ደ ክልተ ትሪልዮን ዶላር እቲ 100 ቢልየን ዶላር ንዝኸሰሩ ሆስፒታላት ሓገዝ ዝውዕል እዩ።እንተኮነ ግና እዚ 'ውን ንዶክተር ዊልሶን ዝሕግዝ ኮይኑ አይተረኽበን ። እካ፟ድአስ ንድሕሪት ተመሊሱ ሰነዳት ተሞኩሩኡን ትምህርቱን የሐድስ አሎ።

XS
SM
MD
LG