ሽማግለ ዓድን ኤጄቶን ዞባ ሲዳማ መበል 10ይቲ ክልላዊ መንግስቲ ናይ ኢትዮጵያ ፌደራላዊት ዴሞክራሲታዊት ሪፓብሊክ /ኢፌድሪ/ ክትኸውን ትማሊ ሰንበት ብምእዋጅ ባንዴርኦም ኣብ ከተማ ሃዋሳ ሰቒሎም።
ዓበይቲ ዓዲን መናእሰይን ወይ ኤጄቶን ሲዳማ ትማሊ ሰንበት ምሉእ መዓልቲ ኣብ ዝወሰደ ኣጀንዳ ‘’ቅድመ ምስረታ ብሄራዊ ክልል’’ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ብባህላዊ ስነ ስርዓት ዝተኣጀበ ኣኼባ ኣካይዶም።
እቶም ሽማግለታትን መናእሰይን ምእዋጅ ርእሰ ምምሕዳርን ምስቃል ክልላዊ ባንዴራን ወይስ ንኣንፈትን ውሳነን መንግስቲ ምፅባይ ዝብሉ ነጥብታት ነዊሕ ስዓታት ዝወሰደ ክርክር ድሕሪ ምክያድ ዮም ናብዚ ውሳነ ዝበጽሑ።
ወኪል ሽማግለ ዓዲ ዝኾኑ ኣቶ ኣየለ ቦሩ ናይ ባዕሎም ክልል ንምምስራት ምስ መንግስቲ ክዘራረቡ ከምዝፀንሑን መልሲ ከይተውሃቦም ነዊሕ ከምዝፀንሑን ብምግላፅ ብሕጊ ዝተፈቐደ ዕለት ተዛዚሙ ናይ ባዕልና ክልል ኣዊጅና ኣለና ኢሎ።
“ሎሚ ኣብ ዝነበረ ኣኼባ ኤጄቶን ሽማግለታት ዓድን ብዛዕባ ምስረታ ክልል ኢና ተዘራሪብና።ቅድሚ ሎሚ እውን ኣብዚ ጉዳይ እዚ እንታይ ክንገብር ከምዘለና ተዘራሪብና ኢና።ምዝርራብ ጥራሕ ዘይኮነስ ባንዴራ እውን ተኺልና ኣዊጅና ኢና ወፂእና።"
መንእሰይ ጌታሁን ደጉዬ ብወገኑ “ኤጄቶን ሽማግለ ዓድን ብፅሒቶም ዛዚሞም ኣለው፤ሲዳማ ክልልነቱ ኣዊጁ’ሎ ዝተረፈ ናይ መንግስቲ ብፅሒት እዩ’’ኢሉ’ሎ።ሲዳማ ሕገ መንግስቲ ዝሃቦ ናይ መወዳእታ ዕድሉ ተጠቒሙ’ሎ ክብል እውን ገሊፁ’ሎ።
ናይ ቕድሚት ናይ ሲዳማ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ክኸውን እዩ ዝበሉዎ ባንዴራ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ሰቒሎም ኣለው።
ኣብ ደቡብ ክልል ንዝተልዓሉ ናይ ምውዳብ ሕቶታት ብዝምልከት ትማሊ ኣኼብኡ ዝወድአ ናይ ደቡብ ኢትዮጵያ ህዝብታት ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ መግለፂ ክህብ ትፅቢት ይግበር።