ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

15 ሽሕ ሜትሪክ ቶን መግቢን ካልኦት ህይወት ኣድሕን ሓገዛትን ኣብዚ ሰሙን ናብ ክልል ትግራይ በፂሑ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ኢትዮጵያ ስምምዕ ምቁራፅ ተፃብኦ ካብ ዝእወጅ ንደሓር ኣብቲ ዝዓበየ ማእከል ግጭት ኮይኑ ዝፀንሐ ክልል ትግራይ እቲ ዝዓበየ ሓገዛት ረድኤት እዩ ኣብዚ ሰሙን በጺሑ። ናብቲ ክልል ረዲኤት ንምብፃሕ ዝነበሩ ፀገማት ኣብ ምፍታሕ ምምሕያሻት ይረኣየሉ ኣብ ዘለሉ እዋን ጎረባብቲ ክልላት'ውን ብሰንኪ እቲ ጎንፂን ድርቂን ዝተሃሰያን ሓገዝ ዘድልየን ብምዃነን ዋሕዲ ሓገዛት የጋጥም ኣሎ።

15 ሽሕ ሜትሪክ ቶን መግቢን ካልኦት ህይወት ኣድሕን ሓገዛትን ኣብዚ ሰሙን ናብ ክልል ትግራይ በፂሑ። ከም ፀብፃብ ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ሕቡራት ሃገራትን ተወሳኺ ሓገዛት ድማ ኣብ መንገዲ ምህላዎም ይገልፅ ።

ብሰንኪ ኣብ መንጎ ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ብዝተኻየደ ውግእ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ትግራይ ምብፃሕ ኣይተካእለን ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝበሎ እቲ ውግእ ን4.8 ሚልዮን ህዝቢ ንሓደጋ ጥምየት ኣቓሊዑ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ምኽትል ዳይሬክተር ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣድሪያን ቫን ዴር ናፕ:"ኣብ መወዳእታ እዚ ወርሒ ክኸውን እዩ ተስፋና ፣ ምኽንያቱ ኣብዚ እዋን ይቀላጥፍ እዩ ዘሎ ፤ ኣብ ዝመፅእ ክልተ ሰሙን 30000 ሜትሪክ ቶን መግብን መግባዊ ሓገዛትን ናብ ትግራይ ክአቱ ተስፋ ኣለና።ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ 100 000 ቶን መግቢ ክኣቱ እዩ ትልምና።"

ንመሳለጥያ ሰብኣዊ ሓገዝ ተባሂሉ ኣብ መንጎ ርእሰ ከተማ ክልል ዓፋር ሰመራን ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ መቀ፟ለን ዝርከም መንገዲ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሚያዝያ እዩ ተከፊቱ። አብዚ እዋን ብሕታዊ ናብ ትግራይ ዘእቱ ዝተኸፍተ መገዲ ድማ ንሱ ጥራሕ እዩ ።

መብዛሕትኦም ሰሜናውን ማእከላይን ከተማታት ክልል ዓፋር ብሓይልታት ሕወሓት ዝተጠቅ፟ዓ ምዃነን ብሰንኪ እቲ ጎንፂ ዝተመዛበሉ ሰባት ይዛረቡ ። እቲ ጎንፂ ንልዕሊ 2 ሚልየን ዝከውን ልዕሊ ፍርቂ በዝሒ ህዝቢ እቲ ክልል ኣመዛቢሉ እዩ ።

ሕወሓት ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናብ ክልል ዓፋር ዝገበርዎ ምተእትታዉ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ስግኣታት ደሕንነት ንምእላይ ምዃኑ ገሊፁ ። ኣብ ወርሒ ጥሪ ሓይልታት ዓፋር ኣብ ልዕሊ ትግራይ መጥቃዕቲ ምፍናዎምን ሰብአዊ ሓገዛት ናብ ትግራይ ንኸይኣትዉ ምኽልካሎምን'ውን ይሕብር ።

ይኹንምበር ሓላፊ ሓደጋ ምክልኻልን ውሕስና መግብን ክልል ዓፋር መሓመድ ሑሰን ግና ምስ ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ዓይነት ፅልኢ የብልናን ኢሎም ።

"እዚ አዝዩ ፍሉይ ሰብኣውነት እዩ ንሳቶም ክቀ፟ትሉና ሰራዊት ክልእኩልና ከለዉ ንሕና ግን መግቢ ሰዲድና ንዕንግሎም ኣለና።ነቲ ኲናት ፈለማ ህወሓት እዩ ጀሚሩዎ በቲ ውድብ እዩ ወራር ተፈፂሙና ፤ ንሕና ምስ ህዝቢ ትግራይ ፀገም የብልናን።"

እቲ ኣብዚ እዋን ተበፂሒ ዝርከብ ምትሕብባራት ነቲ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ልዕሊ 80% ዝኾኑ መራሕቲ ስድራ ንዋሕዲ መግቢ ዝተቓልዑን ሎሚ'ውን እናቀ፟ፀለ ዝከይድ ዘሎ ዋሕዲ ዝተመጣጠነ መግቢ ኣብ ምብፃሕ ኣዝዩ ወሳናይ ምኳኑ እዩ ።

ኣብ ወርሒ ለካቲት ህወሓት ሕክምናዊ ኣገልግሎት ብዘይምርካቦምን 23 ሽሕ ዝኾኑ ህፃናት ብሕፅረት ዝተመጣጠነ መግቢ ንንሞት ምቕልዖም ምሕባሩ ዝዝከር ኮይኑ መንግስታዊ ትካላትን ሓገዝ ወሃብትን እውን ኣብ ጎረባብቲ ክልላትውን ንዓፋር ሓዊሱ ብዘሎ ተደራራቢ ቅልውላዋትን ምግፋሓት ፀቅ፟ጢ ይፈጥረሎም ምህላዉ ይገልፁ።

ሰይድ መሓመድ ካብ ሴቭ ዘ ችልድረን: "እዚ ማሕበረሰብ ክልተ ዓይነት ፀገም እዩ ዝወርዶ ዘሎ ። እቲ ሓደ እቲ ዘሎ ግጭት ዘበገሶ ኣብ መሳለጥያታት ማይን ካልኦት መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ዘስዓቦ ዕንወት ዝፈጠሮ ዕንቅፋት ክኸውን ከሎ ፤ ኣብ ልዕሊኡ ድማ ምስቲ ንዝሓለፉ ሓያሎ ዓመታት ኣብ ዓፋር እውን ኣጓኒፉ ዝፀንሐ ድርቂ ምክንያት ነቲ ማሕበረሰብ ካልእ ፈታኒ ኩነታት ኮይኑዎ'ሎ።"

ኣድሪያን ቫን ዴር ናፕ ከምኡ እውን ከም ናይ ዩክሬን ዝበሉ ዓለምለኸ ቅልውላዋት ሓገዝ ወሃብቲ ሃብትታቶም ክከፋፈል ይገብሮ ኣሎ ። ፕሮግራም መግቢ ዓለም ከምዝበሎ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝመፅእ ሽዱሽተ አዋርሕ ንዘሳልጦ ኣገልግሎት ሓገዛት ሕፅረት ቀረባት 522 ሚልየን ዶላር ከምዝጓነፎን ካብዚ እቲ 220 ሚልየን ዶላር ዝግመት ንትግራይ ሓዊሱ ንክልላት ሰሜን ዝሃሲ ምዃኑ እዩ ይብሉ ።

"ቀልጢፉ እዩ ኣብ ኢድና ዘሎ ሓገዛት ዝውዳእ: እወንታዊ ሃዋህው ዝወረሶ ከባቢ ንፈጥር ኣለና ብኡኡ ኣቢልና ድማ ነቶም ዝተኸፍቱ ኮሪደራት ምጥቃም ዝብል ክከውን ከሎ እንተኾነ ግን ኣብ ማእከል ከነቋርፅን ኩሉ ነገር ናብቲ ቅድሚ ወርሒ ሚያዝያ ዝነበረ ኩነታት ክንምለስ ንግደድ።"

ካብቲ ብሰኑይ ናብ ትግራይ ዝኣተወ ሓገዝ ረዲኤት ዝዓበየ ናብ ትግራይ ይጉዓዝ ምህላዉ ዝገለፀ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ካልኦት ድማ ኣብ እታ ሃገር እናወሰከ ዝመፅእ ዘሎ ሓደጋ ጥምየት ንምቁፅፃር ናብ ካልኦት ማሕበረሰብ ይበፅሑ ኣለዉ ኢሉ።

XS
SM
MD
LG