ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሽልማት ኖበል ሰላም 2021 ንተቓለስቲ ብናጽነት ሓሳብ ምግላጽ ተዋሂቡ


ሽልማት ኖቤል ሰላም 2021 ንተቓለስቲ ሓሳብ ብናጽነት ምግላፅ ብዝብል ክልተ ጋዜጠኛታት ተዋሂቡ::

ናይ ኖርወይ ኮሚቴ ኖቤል ናይ ኖቤል ሰላም ሽልማት ንፊሊፒናዊት ጋዜጠኛ ማሪያ ሪሳን ሩሲያዊ ጋዜጠኛ ዲሚትሪ ሙራቶቭን "ቅድመ ኩነት ዲሞክራስን ነባሪ ሰላም ዝኾነ ሓሳብ ናይ ምግላፅ ናፃነት ንምሕላው ንዝገበሩዎም ፃዕርታት" ሎሚ ዓርቢ ሸሊሙዎ ኣሎ።

ኣብ ኦስሎ ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ኣደመንበር ኮሚቴ ኖርወጃን ኖቤል በሪት ሬይስ ኣንደርሰን ንተዓወቲ ወግዓዊ ኣብዝገበራሉ እዋን "ሚስ ሪሳን ሚስተር ሙራቶቭን ኣብ ፊሊፕንስን ሩሲያን ሓሳብ ብናጽነት ምግላፅ ንክረጋግፅ ብትብዓት ብምቅላሶም ናይ ሰላም ሽልማት ይወሃቦም ኣሎ’’ኢለን።

እቲ ኮሚቴ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ማሪያ ሪሳ ኣብ ሃገራ ብዘይኣግባብ ምጥቃም ስልጣን፣ምጥቃም ህወከትን ውልቀ ምልክነት እናዓበየ ምኻድን ብዘይፍርሒ ብምቅላዕ ኣፍልጦ ረኺባ ኣላ።ከም ሓንቲ መርማሪት ጋዜጠኛን ሓንቲ ካብ ፈጠርቲ ኩባኒያ ዲጂታላዊ ሚዲያ ራፕለርን ሪሳ ኣብ ናይ ፕረዚደንት ሮድሪጎ ዱተርቴ ኣሰሓሓቢ ወፍሪ ፀረ ሓሽሽ ጠሚታ ትንቅፍ።

ሩሲያዊ ጋዜጠኛ ዲሚትሪ ኣንደርየቪች ሙራቶፍ ኣብ ሩሲያ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ብድሆታት ንዓሰርተታት ዓመታት ንናይ ምዝራብ ነፃነት ብምቅላስ ተሸሊሙ ኣሎ።

ክልቲኦም ጋዜጠኛታት 1.1 ሚሊዮን ዶላር ሽልማት ክማቐሉ እዮም።

XS
SM
MD
LG