ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘ሽልማት ኖበል ሰላም 2019 ጸገም ኣፍሪቃዊያን ኣፍሪቃዊ መፍትሒ ክግበረሉ ከምዝኸአል ዘረጋገጸ’ዩ’ሙሳ ፋቂ


ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዝተዓወትሉ ሽልማት ኖበል ጸገም ኣፍሪቃዊያን ኣፍሪቃዊ መፍትሒ ክግበረሉ ከምዝኸአል ዘረጋገጸ’ዩ ክብሉ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ ማሃመት ተዛሪቦም።

ንሶም ነዚ ዝበሉ ብምኽንያት ሽልማት ኖበል ሓጎሱ ንምግላጽ ሚንስትሪ ሰላም ኢትዮጵያ ኣብ ዘዳለዎ ስነ ስርዓት ኣብ ዝተረኽብሉ’ዩ።

ብፍላይ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሰላም ንክሰፍን ኣበርኽቶ ንዝገበሩ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዘመስገኑ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ብወገኖም እቶም ፕረዚደንት ኣብ ጎደናታት መቐለ ዝዘዋወርሉ መዓልቲ ክመጽእ ጸልዩ ክብሉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ኣለው።

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ናይ 2019 ተዓዋቲ ሽልማት ኖበል ሰላም ብምዃኖም ኣብ አዲስ አበባ ሚለንየም አዳራሽ ናይ ሓጎስ መግለጺ ስነ ስርዓት ብሚንስትሪ ሰላም ኣብ ዝተካየደሉ እዋን መደረ ዝገበሩ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቒ መሃመት እቲ ሽልማት ነቲ ኣህጉር እውን ዝተዋህበ’ዩ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG