ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣብ ዝመጽእ ግንቦት ክሳብ ሰነ ከምዝካየድ ቦርድ ምርጫ ኣፍሊጡ


ኣብ ኢትዮጵያ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ካብ መወዳእታ ግንቦት ክሳብ መጀመሪያ ሰነ ንምክያድ መደብ ከምዝተትሓዘ ሃገራዊ ቦርድ ኮሚሽን ምርጫ ኣፍሊጡ።እቲ ምርጫ ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ዝርከቡ ልዕሊ 50 ሽሕ ናይ ምርጫ ጣቢያታት ከምዝካየድ ሓላፊት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ምርጫ ቦርድ ወይዘሪት ሶሊያና ሽመልስ ገሊፀን።

እቲ ቦርድ ሎሎሚ ዓርቢ ምስ ስቪክ ማሕበራትን ሰብ ሞያ መራኽቢ ብዙሃንን ኣብዘካይዶ መድረኽ ምኽክር ዘድልዩ ሓበሬታታት ካብ ፍርቂ ጥሪ ክሳብ ፍርቂ ወርሒ ለካቲት ንኹሉ ድልው ክኸውን ምዃኑ ተሓቢሩ።

እቲ ቦርድ ቁርፅ ዝበለ መዓልቲ ዘየቐመጠሉ ምኽኒያት ዝተሓተታ ሓላፊት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ቦርድ ምርጫ ወይዘሪት ሶሊያና ሽመልስ ምስ ለበዳ ኮቪድ ተኣሳሳሲሩ ኣብ ዝተፈለየ ኩነታት ስለዝካየድ ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ኣድለይቲ ዝብሃሉ ሓበሬታታት ንምርካብ እዩ ኢለን።

ቤት ምኽሪ ፌደረሽን ዘይሕጋዊ ዝበሎ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ምርጫ ብዝምልከት እቲ ቦርድ ዘለዎ ምድላው ዝተሓተታ ወይዘሪት ሶሊያና ሽመልስ ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ኢትዮጵያ ምርጫ ንምክያድ ሓላፍነቱ ናይ ቦርድ ምርጫ ስለዝኾነ እቶም ዝተቐመጡ 50,900 ጣቢታት ናይ ትግራይ እውን ዝሓውስ ስለዝኾነ እዩ ምድላውና ኣብ መላእ እታ ሃገር ምርጫ ንምክያድ እዩ ኢለን።እቲ ቦርድ ብዛዕባ ግዜ ሰሌዳ ምስ ፖለቲካዊ ፓርትታት ምይይጥ ከምዘካይድ እውን ሓቢረን ይብል ።

XS
SM
MD
LG