ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሻኪሶ፡ ኩባንያ ማዕድን ሜድሮክ ዘስዓቡ ጉድኣት ብዝምልከት ተቓውሞ ሰልፊ ተኻይዶ


ኣብ ክልል ኦሮሚያ ለገደንቢ ዝርከብ ኩባንያ ዕደና ወርቂ ሜድሮክ ዘስዓቦ ከሚካል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እቲ ከባቢ ዘውረዶ ጉድኣት ብምቅዋም ህዝቢ ሻኪሶ ሎሚ ሶኑይ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዱ።መንግስቲ ቕልጡፍ መፍትሒ ንምሃብ ቃል ምእታው እውን ከንቲባ ናይታ ከተማ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም ኣለው።

ሽሙ ክግለፀሉ ዘይደለየ ነባሪ ንድምጺ ኣሜሪካ ከምዝገለፆ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ኣስታት 40 ሽሕ ነበርቲ ከተማ ሻኪሶ ተሳቲፎም ኣለው ይብል።

“ኣብቲ ተቓውሞ ብርክት ዝበሉ ሕቶታት እዮም ተላዒሎም።ናይ መንነት ዘይኮነስ ናይ ምንባርን ዘይምንባርን ሕቶ እዩ።ፖለቲካዊ ሕቶ እውን ኣይኮነን።ቅድሚ ሕጂ ኣብ ጉጂ ድውያትን ዓይነስውራትን ብኣጠቓላሊ ናይ ኣካል ጉድኣት ተራእዩ ኣይፈልጥን።ሚንስትር ሓይልታት ምክልኻል ኣቶ ሞቱማ መቃሳ ብኣካል መፂኦም ነቢዖም እዮም ተመሊሶም።ኣካሎም ንዝጎደሉ 41 ህፃናት ሪኦምዎም እዮም እዩ።”

እቲ ውልቀሰብ ወሲኹ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ከምዝነበረን ሳያናይድ ዝተባህለ ኬሚካል ደው ክብልን ከምዝተሓተተ እውን ሓቢሩ።ከንቲባ ከተማ ሻኪሶ ኣቶ ኣረሬ ዋሬ ሰልፊ ከምዝነበረ ብምርግጋፅ ብሰላም ምዝዛሙ ሓቢሮም።እቲ ህዝቢ እቲ ከሚካል የውርዶ ዘሎ ሓደጋ ምላሽ ከይረኸበ ናይቲ ኩባኒያ ኮንትራት ምሕዳስ ኣግባብነት የብሉን ኢሉ ይሓትት ከምዘሎን መንግስቲ ቕልጡፍ ምላሽ ከምዝህብን ገሊፆም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG