ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሻንጋይ: ብኣፍ ዝውሰድ መሓየሊ ክታበት ኮቪድ19 ክትህብ ጀሚራ


ዝዓበየት ከተማ ቻይና ሻንጋይ፡ ሎሚ ረቡዕ ብኣፍ ዝውሰድ መሐየሊ ክታበት ኮቪድ19 ክትህብ ጀሚራ።

በመሰረት ሓበሬታ መንግስቲ፡ ብውሕዱ ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ክታበት ኮቪድ19 ዝረኸቡን ልዕሊ 18 ዝዕድሚኦምን ሓደ ብኣፍ ዝውሰድ ክታበት ብናጻ ክረኽቡ ብቑዓት`ዮም ይብል።

ቺን ዝተባህለ ብኣፍ ክታበት መሓየሊ ዝረኸበ ዜጋ “ሓደ ኩባያ ጸባ ዝተሓወሶ ሻሂ ትሰቲ ዘለኻ`ዩ ዝመስለካ፡ ቅሩብ ከኣ ምዕር ይብል” ኢሉ ።

ሓላፊ ሓደ ማእኸል ክታበት ሻንጋይ ነቲ ብኣፍ ዝውሰድ ክታበት ክትወስድ ሓደ ደቒቕ ጥራይ ዝወስደልካ `ኳ እንተኾነ፡ ምስ ወሰድካዮ ንፍርቂ ሰዓት ኣብቲ ቦታ ክትጸንሕ ኣለካ ይብል።

ንሱ ወሲኹ ከም ኣዝማ ዝበለ ካልእ ሕማም ዘለዎም ሰባት ግን እንተዘይወሰድዎ ይምረጽ ይብል።

XS
SM
MD
LG