ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሸውዓተ ወተሃደራት ኬንያ ኣብ ሶማል ተቐቲሎም


ፋይል
ፋይል

ትማሊ ሰንበት: ኣብ ዶብ ኬንያን ሶማል ንሓንቲ ወተሃደራዊት መኪና ዒላማ ዝገበረ ነታጒ ድሕሪ ምፍንጃሩ: ብውሑዱ ሸውዓተ ወተሃደራት ኬንያ ክሞቱ ከለው ካልኦት ክልተ ድማ ብኸቢድ ቆሲሎም።

እታ ሓደጋ ዝወረዳ ወተሃደራዊ ት መኪና ምስ ካልኦት ቃፍላይ ኣብ ሓለዋ ምንባራን እቲ ሓደጋ ምስ ኣጋጠማ ብርቱዕ ናይ ተፈንጃሪ ድምጺ ከምዝተሰምዐ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ካብቲ ቦታ ምሕባሮም ኣገልግሎት ቛንቛ ሶማል ድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም።

ሓደ ስሙ ክጥቀስ ዘይፈቐደ ወተሃደራዊ በዓል ስልጣን ሶማል: ሬሳ ሸውዓተ ወተሃደራትን ካልኦት ክልተ ብኸቢድ ዝቖሰሉን ከምዝረኣየ ጠቒሱ ኣሎ። እቲ ወተሃደራዊ በዓል ስልጣን ብዘይካ'ዚ: እቶም ሸውዓተ ወተሃደራት ድሕሪ'ቲ ሓደጋ ተፈንጃሪ ብኡንብኡ ከምዝሞቱን እታ ወተሃደራዊት መኪና ድማ ምሉእ ንምሉእ ምዕናዋ ገሊጹ።

ዕጡቕ ወተሃደራዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ሓላፍነት ናይቲ መጥቃዕቲ ከምዝወሰደን 15 ወተሃደራት ከምዝቐተለን ኣፍሊጡ ኣሎ።

መሰኻኽር ዶሖብለይ ኣብ ዝተባህለትን እቲ ሓደጋ ፍንጀራ ናይ ዘጋጠመላ ከተማ ብወገኖም ቁጽሪ ናይቶም በቲ ሓደጋ ዝሞቱ ልዕሊ ዓሰርተ ከምዝበጽሕ ሓቢሮም። ንሶም ብተወሳኺ በቲ ሓደጋ ዝተሃርማ ወተሃደራውያን መካይን ክልተ ምዃነን ገሊጾም።

XS
SM
MD
LG