ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሶማል: ወታሃደራዊ ኣዛዚ ዒላማ ኣብ ዝገበረ መጥቓዕቲ ሓደ ሰብ ሞይቱ


ንወታሃደራዊ ኣዛዚ ሶማል ጀነራል ኦዶዋ ዩሱፍ ራጌ ዒላማ ዝገበረ ትማሊ ሰሉስ ዝተፈፀመ ርእሰ ቕትለታዊ መጥቓዕቲ እንተወሓደ ሓደ ሰብ ተቐቲሉ።

ነቶም ጀነራል ዝሓዘ ኮንቨይ ካብ ቤት ፅሕፈት ሚንስትሪ ምክልኻል ክወፅእ ከሎ ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ፈጻሚ ኣል ሸባብ ምዃኑ ይእመን።ጀነራል ራገ ካብቲ መጥቓዕቲ ኣምሊጦም ኣለው።

እቲ ርእሰ ቕትለታዊ መጥቓዕቲ ዝፈጸመት ቦምብ ዝፀዓነት መኪና ቅድሚ ምፍንጃሩ ሓይልታት ፀጥታ ቶኵሶም ከምዝቐተሉዎ ወታሃደራዊ ወሃቢ ቃል ሶማል ዓቢድቃኒ ዓሊ ኣሽክር ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG