ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሶማል ፈላማይ ክታበት ኮሮናቫይረስ ከምዝተቐበለት ኣፍሊጣ


መንግስቲ ሶማል ፈላማይ 300 ሺሕ ክታበት ኮሮናቫይረስ ከምዝተቐበለ ኣፍሊጡ። እቲ ብኣስትራዚንካ ዝፈረየ ክታበት ካብ ጽባሕ ሰሉስ ጀሚሩ ምውሃብ ከም ዝጅምር`ውን ሓቢሩ`ሎ።

ብመሰረት ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ሶማል​ ትረኽቦ ቀዳማይ 1.2 ሚልየን ዓቐን ን600 ሺሕ ኣብ ቅድመ ግንባር ዝሰርሑን ተጎዳእትን ክትከትበሉ`ያ።

ሶማል ዝሓለፈ ሰኑይ፡ ን20% ህዝባ ዝኸውን ካብ ኮቫክስ ዝመጽእ ክታበት ከምዘውሓሰት ኣፍሊጣ ኔራ።

ዛጊት ኣብ ሶማል ብኮሮና ቫይረስ ዝተታሕዙ ልዕሊ 9 ሺሕ :ዝሞቱ ድማ 376 ምምዝጋቦም ተሓቢሩ'ሎ።

ኣብ ሶማል ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት፡ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ጠጠው ኣብ ምባል ነቲ መንግስቲ ከምዝሕግዝ ኣፍሊጡ`ሎ።

XS
SM
MD
LG