ዋሽንግተን —
መንግስቲ ሶማል ፈላማይ 300 ሺሕ ክታበት ኮሮናቫይረስ ከምዝተቐበለ ኣፍሊጡ። እቲ ብኣስትራዚንካ ዝፈረየ ክታበት ካብ ጽባሕ ሰሉስ ጀሚሩ ምውሃብ ከም ዝጅምር`ውን ሓቢሩ`ሎ።
ብመሰረት ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ሶማል ትረኽቦ ቀዳማይ 1.2 ሚልየን ዓቐን ን600 ሺሕ ኣብ ቅድመ ግንባር ዝሰርሑን ተጎዳእትን ክትከትበሉ`ያ።
ሶማል ዝሓለፈ ሰኑይ፡ ን20% ህዝባ ዝኸውን ካብ ኮቫክስ ዝመጽእ ክታበት ከምዘውሓሰት ኣፍሊጣ ኔራ።
ዛጊት ኣብ ሶማል ብኮሮና ቫይረስ ዝተታሕዙ ልዕሊ 9 ሺሕ :ዝሞቱ ድማ 376 ምምዝጋቦም ተሓቢሩ'ሎ።
ኣብ ሶማል ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት፡ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ጠጠው ኣብ ምባል ነቲ መንግስቲ ከምዝሕግዝ ኣፍሊጡ`ሎ።