ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሶማል፡ኣብ ከተማ ጋልካዮ ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ 15 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ማእኸላይ ሶማል ከተማ ጋልካዮ ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ኣብ ልዕሊ ቐፅሪ ኣሰሓሓቢ መምህር እስልምና ሎሚ ሶኑይ ብዝፍፀምዎ መጥቓዕቲ ብውሑዱ 15 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሰበስልጣን ገሊፆም።

ሓደ ርእሰ ቕትለታዊ ቦምብ ብዝፅዓነት መኪና ኣቢሉ ነቲ መእተዊ ኣጥቒዑ፤ሽዑ ንሽዑ ካልኦትት ነቲ ቐፅሪ ብህጁም ቶኽሲ ኣጥቒዖም ከምዝወረሩዎ ወታደራዊ መኮነን ዓብዱላዚዝ ዓብዱላህ ከምዚ ክብል ይገልፅ።

“ሎም ንጉሆ ንስቪላት ሰባት ዒላማ ዝገበረ ቦምብ ብዝፅዓነት መኪና ርእሰቕትለታዊ መጥቓዕቲ ተፈፂሙ።ኣከታቲሎም ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ነዚ ሃይማኖታዊ ማእኸል ንክልተ ስዓትን ፈረቓን ኣጥቒዖምዎ።”

ሓይልታት ፀጥታ መጥቓዕቲ ብምፍናው ንኽልተ ዕጡቓት ከምዝቐተሉ ተሓቢሩ’ሎ።ሳልሳይ ዕጡቕ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሉ እውን ገለ ፀብፃባት ይገልፁ።ሓይልታት ፀጥታ ነቲ ከባቢ መሊሶም ብምሓዝ ሬሳታት ከምዘልዓሉ ኣብቲ ቦታ ዝተረኽበት ሪፖርተር ድምጺ ኣሜሪካ ሓቢራ’ላ።

በቲ መጥቓዕቲ ካብ መንጎ ዝተቐትሉ ኢማም ናይቲ ሃይማኖታዊ ማእኸል ሸኽ ዓብዲወሊን ዓሊ ኤልሚን በዓልቲ ቤቶምን ምዃኖም ምንጭታት ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።ኣል-ሸባብ ሓላፍነት’ቲ መጥቓዕቲ ወሲዱ’ሎ።

ሸኽ ኤልሚ ነቲ ቀፅሪ ከም ዋና ቤት ፅሕፈቶምን መአከቢኦምን ይጥቀምሉ ከምዝነበሩ ተፈሊጡ’ሎ።

ኣል-ሸባብ ሸኽ ኤልሚ ንፈጣሪ ደፊሮም ክብል ከምዝቐትሎም’ውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣጠንቂቑ ከምዝነበረ ዝበጽሓና ዜና ይሕብር።

XS
SM
MD
LG