ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሶማል፡ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንንግስትን ዕጡቓት ስፊን ብዝተላዕለ ግጭት 15 ሰባት ሞይቶም


ፋይል.
ፋይል.

ኣብ ማእኸላይ ሶማል ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ዕጡቓት ሱፊን ውግእ ይካየድ ከምዘሎ ተፈሊጡ።እዚ ዝኸውን ዘሎ መንግስቲ ኣሜሪካ ከምዚ ዝበለ ግጭት ኣንፃር ኣል-ሸባብ ንዝካየድ ግጥም ዕንቅፋት ዝፈጥር እዩ ኢሉ ምስ ኣጠንቀቐ ድሕሪ መዓልታት እዩ።

ኣብ ከተማታት ዱሶማሪብን ጉርዐልን ኣብ ዝተኻየድ ግጭት እንተወሓደ 15 ሰባት ምሟቶምን ካልኦት ልዕሊ 20 ድማ ቆሲሎም ኣለው።

ጠንቂ’ቲ ትማሊ ሓሙስ ዝጀመረ ግጭት ኣብ መንጉ ዕጡቓት ብዝተፈጥረ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ እዩ።

ናይቲ ከባቢ ጋዜጠኛ ዓብዲፈታሕ ዩሱፍ ሲያድ ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ሓይልታት መንግስቲ ሶማል ኣብ ጥቓ ቐፅሪ መንበሪ መራሕቲ ሱና ይዋግኡ ኣለው ኢሉ።

ክልቲኦም ወገናት እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ጀማሪ ናይቲ መጥቓዕቲ እዮም ክብሉ ይካሰሱ ኣለው።

XS
SM
MD
LG