ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሶማል ኣብታ ሃገር ንዝተፈጸመ ኣዚዩ ዝኸፍአ ግብረሽበራዊ መጥቓዕቲ ዘኪራ


ጥቅምቲ 14,2017 መጥቓዕቲ ዝተፈጸመሉ ቦታ
ጥቅምቲ 14,2017 መጥቓዕቲ ዝተፈጸመሉ ቦታ

ሶማል ኣብታ ሃገር ንዝተፈጸመ ኣዚዩ ዝኸፍአ ግብረሽበራዊ መጥቓዕቲ ዘኪራ ውዒላ::

ከም ትማሊ 14 ጥቅምቲ 2017 ኣብ ናይ ፅዕነት መኪና ዝተፃወደ ቦምብ ኣብ ኣዚዩ ፅዕቑ መስቀለኛ መንገዲ ሞቓድሾ ተፈንጂሩ 587 ሰባት ተቐቲሎም ካልኦት ኣስታት 1000 ድማ ቆሲሎም።ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት እቲ ናይ መጥቓዕቲ ፍርሒ ሎሚ እውን ኣብ ዋና ከተማ ሞቓድሾ ይረአ።

እቲ ቦምብ ዝተተኮሰሉ መስቀለኛ መንገዲ ሎሚ መራኸቢ ወይ ጎደና 14 ጥቅምቲ ተባሂሉ ይፅዋዕ።ናይ መዘከሪ ሓውልቲ እውን ተቐሚጥሉ ይርከብ።

መብዛሕቲኦም ዝዓነው ህንፃታት ዳግም ተሃኒፆም እዮም።

ዛጊት ነቲ ዘስካሕክሕ መጥቓዕቲ ዝፈፀመ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል የለን።መንግስቲ ሶማል ግን ንጉጅለ ናዕበኛታት ኣልሸባብ ይኸስ ስ።ወታደራዊ ቤት ፍርዲ ወዲ 23 ዓመት ሓሳን ኣዳን ኢሳቅ ንናይቲ ኣል ሸባብ መስርዕ ብምምራሕ ኣብ ለካቲት 2018 ሞት ምስፈረዶ ሽዑ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ተቐቲሉ።ካልእ ውልቀሰብ እውን ኣብዘየለሉ ሞት ተፈሪዱዎ።

XS
SM
MD
LG