ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሶማል ኣስታት 10 ሚልዮን ዶላር ገንዘብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ መሊሳ


ሓድሽ ዝተመዘዘ ፕረዚደንት ሶማል
ሓድሽ ዝተመዘዘ ፕረዚደንት ሶማል

ከም መግለጺ ምምሕያሽ ዝምድና ክልተ ሃገራት፡ መንግስቲ ሶማል ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ሃጊሩዎ ዝጸንሐ 9.6 ሚልዮን ዶላር ገንዘብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ክመልሶ ከም ዝወሰነ ፈነወ ኣገልግሎት ሶማል ድምጺ ኣመሪካ ንምንጭታት ውሽጢ ሃገር ብምጥቃስ ኣፍሊጡ። እቲ ገንዘብ ኣብታ ሃገር ንዝርከብ ኣምባሳደር ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከም ዝተረከበ ተሓቢሩ ኣሎ።

ኣብ ተመሳሳሊ ምዕባለ ድማ ብቐዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ዝምራሕ ልኡኽ ናብ ኢማራት ገይሹ ምህላዉ እቲ ዜና ይውስኽ።

እቲ ገንዘብ ኣብ 2018 ኣባላት ጸጥታ ሶማል ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሞቓዲሾ ሰለስተ ገንዘብ ዝመልአ ቦርሳታት ድሕሪ ምትሓዞም’ዩ እቲ ገንዘብ ኣታዊ ኰይኑ ጸኒሑ። ጸጥታ ሶማል ኣብ እዋኑ እቲ ገንዘብ ኣብታ ሃገር ሕንፍሽፍሽ ንምእታው ዓሊሙ ክብሉ እንከለዉ፡ ብወገን ኢማራት ዓረብ ግን እቲ ገንዘብ ንመኽፈሊ ደሞዝ ሰራዊት ሶማል ዝውዕል ንሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ዝተላእከ’ዩ ክብሉ መሊሶም።

ነቲ ፍጻመ ስዒቡ ዝምድና ክልተ ሃገራት ኣዝዩ ዛሕቲሉ’ዩ ጸኒሑ።

XS
SM
MD
LG