ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሶማል: ንደቂ-ኣንስትዮ ዝተሓዝኣ 30% መናብር ክማላእ ኣይተከኣለን


አባላት ፓርላማ ሶማል
አባላት ፓርላማ ሶማል

ደጋጊሙ ክናዋሕ ዝጸንሐ ሃገራዊ ምርጫ ሶማል ኣብ ዝቃንዓሉ ዘሎ እዋን፡ ደቀንስትዮ ነቲ ባይቶ እታ ሃገር ዝጠልቦ ናይ 30% ዝተመደበ መናብር’ውን ክበጽሓኦ ኣይከኣላን።

ኣደመንበር ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ሶማል ባትሎ ኣሕመድ ጋባሌ ነቲ ትማሊ ዝተዘኸረ ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ዝምጥን ብዙሕ ዘሐጉስ ዜና የብላን። ንሳ ብቀዳማይ ሚኒስትር መሓመድ ሮብለ ዝተሓጸየት ንነዊሕ እዋን ትፅቢት ክግበረሉ ዝፀንሐ ብተዘዋዋሪ ዝካየድ ምርጫ ሓገግቲ ሶማል ነቲ 30% መንበር ቤት ምኽሪ ብደቂ ኣንስትዮ ክተሓዝ ንዝግበር ፃዕሪ ንምዕዋት እዮ።

ጋባሌ ደቂ ኣንስትዮ ተመረፅቲ ልዕልና ደቂ ተባዕትዮ ብዘሰጉሙ ክፋላት ማሕበረሰብ ተቃ፟ውሞ ከምዝገጠመን ትዛረብ ።

ኣብቲ ምርጫ ዝተፈፀመን ክኸውን ብመምርሒ ክትግበርን ዝተሰማማዕናሉን ዝተፈላለየ እዩ ። ሰለስተን ካብኡ ንላዕሊ መንበር ንዝረክብ ነፍሲ ወከፍ ማሕበረሰብ ሓደ መንበር ንደቂ ኣንስትዮ ክህቡ እዩ ነይሩ ። ይኹን እምበር ኣብ እዋን ምርጫ ገለ ቁልፊ ግደ ዝነበርኦም መራሕቲ ብሄር ግን ደቂ ኣንስትዮ ንኸይምረፃ ዕንቅፋት ኮይኖም እዮም ትብል ።

ካብ 275 መንበር ኣባላት ቤት ምኽሪ ሶማል 44 መናብር ጥራሕ እዮም ስጋብ ሕጂ ብደቂ ኣንስትዮ ተታሒዞም ። እቲ ዝተዋህበን 30% ትሑዝ መንበር ንኽበፅሓ መጋቢት 15 ኣብ ዝካየድ ምርጫ ተወሰኽቲ 40 ደቂ ኣንስትዮ ክምረፃ ይግባእ። ዛጊት ተሪፎም ዝርከቡ መናብራት ግን 26 ጥራሕ እዮም። ጋባሌ ካብዚ ንድሓር 30% ንምርካብ ምፅባይ ዘይመስል እዩ ትብል ።

ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምርጫ ክሳተፋ ተዳልየን እኳ'ተነበራ ክብረንን መሰለንን ተነፊገን እየን ። እዚ ድማ መራሕቲ ቦርድታት ምርጫን መራሕቲ ክልላትን ሕጊ ብምጥሓሶም ዝፈጠርዎ ፀገም እዩ ኢላ ።

ወሃቢ ቃል ጉጅለ ከይዲ ምርጫ ሶማል ኣሕመድ ሳፊና እቲ ቦርድ ምርጫ ዝካኣሎ ገይሩ እዩ ይብሉ ።

ንሶም 30% መንበራት ንደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ እዩ ክከውን ዝግባእ: ሕጂ'ውን ኣብቲ ዝተረፈ 70% መናብር ልክዕ ከምቶም ደቂ ተባዕትዮ ክወዳደራ ይኸእላ እየን ኢሎም።

ተመረፅቲ ደቂ ኣንስትዮ ሶማል ብወገነን ብሰንኪ ልዕልና ደቂ ተባዕትዮ ዘተባብዕ ኣተሓሳስባ ተመረፅቲ ብሄር ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ክግለላ ኪኢለን እየን ይብላ።

ዓይሻ ዑማር ገስዲር ሓንቲ ካብቶም ኣብ ደቡባዊ ማእከል ግዝኣት ሂርሻቤል ሶማል ንቤት ምኽሪ ዝተወዳደረት እያ። ብባሕላዊ እምነት ደቂ ኣንስትዮ መራሕቲ ብሄረን ክኮና ከምዝኽእላ ዘይኮነስ ኣብ ትሕቲ ሰብኡተን ኮይነን ከገልግላ እዩ ዘፍቅድ ትብል ።

ኣብታ ንዓመታት ኲናት ሕድሕድን ቃልሲ ግብረሽበራን ዘይበለየላ ሶማል ደቂ ተባዕትዮ ኩሉ ጊዜ ኣብ ፖለቲካን ስልጣንን እታ ሃገር ዓብለልቲ እዮም ። ምርጫ ሶማል ቅድሚ ዓመት ክካየድ እንተነበሮ እውን ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፎርማጆን መሓዙቶምን ብቤትምኽሪ ኣቢሎም እዋን ስልጣኖም ክናዋሕ ድሕሪ ምግባሮም ናብ ህውከት ኣምሪሑ እዩ ። ንሱ ድማ ኣብ ዋና ከተማ ሞቃ፟ድሾ ሞት ዘኸተል ጎንፂን ዓለምለኸ ፀቅ፟ጢን ድሕሪ ምስዓቡ ክስረዝ ኪኢሉ።

ካብኡ ንደሓር ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ ሞንጎ እቶም ፕረዚደንትን ቀዳማይ ሚኒስትርን ብዝተልዓሉ ፖለቲካዊ ዘይምቅድዳዋት ምርጫ ሶማልያ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት 25 ክካየድ ተታሒዙ ዝነበረ ሓዊሱ ክናዋሕ ፀኒሑ እዩ ።

እዚ ሓዱሽ እዋን ምርጫ በቲ ዝተትሓዘሉ ገደብ ጊዜ መጋቢት 15 እንተድኣ ዝሳለጥ ኮይኑ ብብብሄራቶም ዝተመርፁ ሓገግቲ ቀፃሊ ፕረዚደንት'ታ ሃገር ክመርፁ እዮም ተባሂሉ ትፅቢት ይግባር።

XS
SM
MD
LG