ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሶማል፡ ብኻልኣይ ማዕበል ቫይረስኮሮና ክትህረም ጀሚራ ክብሉ ሰበስልጣን ጥዕና'ታ ሃገር ኣፍሊጦም


ሶማል፡ ብኻልኣይ ማዕበል ኮሮናቫይረስ ክትህረም ጀሚራ ክብሉ ሰበስልጣን ጥዕና'ታ ሃገር ኣፍሊጦም። ንሶም ቀንዲ ምኽንያት ድማ ምትእኽኻባትን መገሻታትን 'ዩ ይብሉ።

ሚንስትሪ ጥዕና ሶማል መጠን መትሓዝቲ ካብ ጥሪ ክሳብ ለካቲት ብ52 % ወሲኹ'ሎ ይብል ።

ይኹን'ምበር ምስቲ ናህሪ ኣገናዚብካ ኣብ ሶማል ዘሎ ቁጽሪ መትሓዝቲ ዛጊት 5,183 ዝሞቱ ድማ 152 ከም ዝኾነ ይገልጹ-።

ምስዚ ብዝተሓሓዝ ብቕልጡፍ ዝቀያየር ዘሎ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ህዝቢ ዓለም ምጽንሑ ኣይተርፎን`ዩ ዝበሉ ሳይንትስታት ዓለም ኣብ ኣገዳስነት ክታበት ግን ኩሎም ይሰማምዑ`ለዉ።

ፍሉጥ ክኢላ ህዝባዊ ጥዕና ህንዲ ዶ/ር ቲ ጃኮብ ጆን ብዛዕባ መጻኢ ዕድል ኮሮና ክገልጽ ከሎ፡ ኮሮናቫይረስ ልክዕ ከም ኣብ ሕጹር ሕዛእቲ ዘሎ ኣራዊት ክኸውን`ዩ ማለት ከም ካልኦት ከም ፖልዮን ንፍዮን ዓይነት ሕማማት ኮይኑ ዝቕጽል`ዩ ኢሉ።

ብኻልእ ዜና፡ ዚምባብወ ሎሚ ፈላማይ ክታበት ኮቪድ 19 ተረኺባ። እቲ ሲኖፋርም ዝተባህለ ክታበት ካብ ቻይና ዝተለገሰ ክኸውን ከሎ-ዚምባብወ ባዕላ ድማ ተወሳኺ 600 ሺሕ ዓቐን ክታበት ካብኡ ሸሚታ።

እስራኤል ድማ ንዜጋታታ ኣብ ምኽታብ ጽቡቕ`ኳ እንተገስገሰት፡ ብገለ ናይ ሓሶት ወረታትን ኣጉል እምነታትን፡ እቲ መስርሕ ከምዝዛሕተለ ቀዳማይ ሚንስተር ቤንጃሚን ነተንያሁ ተዛሪቡ። እስራኤል ነቲ ግጉይ ሓበረታ ንምውጋእ ዝተፈላለየ ንኽታበት መስሓቢ ዝኸውን ናይ ዲጂታል ተግባራት ጀሚራ ከምዘላ`ውን ኣፍሊጣ።

ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ድማ ንመጀመርያ ግዜ ምትሓዝ ኮቪድ ክወርድ ጀሚሩ። ንመጀመርያ ግዜ ኣብዚ ወርሒ`ዚ ትሕቲ 100 ሺሕ ወሪዱ። ይኹን`ምበር ኣሜሪካ ሕጂ`ውን ብቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተታሕዙ ቀዳመይቲ ምዃና ቀጺላ`ላ።

ብኻልእ ወገን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ዘውርዶ ዘሎ ናይ ኣእምሮ ጸገማት ቀሊል ከምዘይኮነ ሰብ-ሞያ ጥዕና ኣእምሮ የጠንቅቑ ኣለዉ።

እቲ ለበዳ ኣብ ንኡስ ዕድሚኦም ዘስዓቦ ጸቕጢ ንብሕትውና- ተስፋ ምቑራጽ ዋላ`ውን ክሳብ ርእሰ-ቕትለት ንኽሓስቡ ይገብሮም ኣሎ ክብሉ ይጠንቅቑ።

XS
SM
MD
LG