ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሶማል: ብሰንኪ ዘጋጠመ ጽንኩር ደርቂ ኣስታት 2 ሚልዮን ዜጋታት ሓደጋ ጥምየት የንጸላለዎም ከምዘሎ ተገሊጹ


ፋይል

ኣብ ሶማል ብሰንኪ ዘጋጠመ ጽንኩር ደርቂ ኣስታት 2 ሚልዮን ዜጋታት ሓደጋ ጥምየት የንጸላለዎም ከምዘሎን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ድማ ቤት ንብረቶም ሓዲጎም ናብ ሓገዝ ወሃብቲ ማእከላት ይዕቆቡ ከምዘለው ተገሊጹ። ሕቡራት ሃገራት ዝምልከቶም አካላት ሓገዝ ከበርኽቱ ጻዊዒት ኣቕሪቡ'ሎ።


ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ሰሙናት ብሰንኪ ሕጽረት ማይን መግቢን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቕጸሩ ዜጋታት መንበሪኦም ሓጊዶም ሓገዝ ንምድላይ ሞቃዲሾ ኣትዮም ኣለው።

ጀወሃራ መሃመድ ኣደ ኣርባዕተ ቆልዑ ኮይና መበል ሓሙሻይ ነብሰጾር'ያ: ዝነበርዋ አጣልን ከብቲ ኩሎም ምሟቶምን ንልዕሊ 100 ኪ.ሜ ን15 መዓልታት ተጓዒዛ ሓገዝ ንምርካብ ናብ ኣብ ጥቓ ዋና ከተማ ሞቃዲሾ ዝርከብ ማእከል ምምጽኣ ትገልጽ።

ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ደርቂን ትሑት እቶት እኽሊን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ህጻናት ንጥምየት ምቕልዖም ተገሊጹ።

ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሶማል ዘሎ ኩነታት ናብ ሰብኣዊ ቀውሲ ከይተቐየረ ህጹጽ ሓገዝ ከምዘድልይ ይገልጽ ኣሎ።

ላዕለዋይ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ጅስተን ብራንዲ እቲ ኩነታት ኣስጋኢ ምዃኑ ይሕብሩ።

ዳይሬክተር ሚንስትሪ ሰብኣዊ ጉዳያት ሶማል ብወገኖም ሙክታር ሁሴን ምዝንባል ሰባት ንምጉዳል ብዙሕ ስራሕ ከምዘድልይ ገሊጾም።

XS
SM
MD
LG