ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሶማል ቕትለት መራሒ ዳዒሽ ከምዘሓጎሳ ትገልጽ


መንግስቲ ሶማል ንቕትለት መራሒ ዳዕሽ ቢላል ኣል-ሱዳኒ የምጉስ። ቢላል ኣል ሱዳኒ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ገጠራዊ ሰሜናዊ ሶማል ብፍሉይ ስርሒት ሓይልታት ኣመሪካ ከምዝተቐትለ ይግለጽ ኣሎ።

ኢሉ ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ፕረዚደንት ሶማል ሑሰን ሸኽ ዓሊ፡“ኣዝዩ ኣወንታውን እነመጉሶን ፍጻመ`ዩ" ክብል ምስ ድምጺ ኣመሪካ ክፍሊ ሶማል ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መጠይቕ ሓቢሩ።

ኣብዚ ኣብ ዋሽንግተን ዝበጽሕ ዘሎ ሑሰን ሸኽ ዓሊ ወሲኹ ዳዕሽ ክንዲ ኣልሸባብ ዘስግእ`ኳ እንተዘይኮነ፡ መራሒኡ ግን ስግኣት ሶማልን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝኾነ ሓደገኛ ኣሸባሪ`ዩ ድሕሪ ምባል ምስ ላዕለዎት መራሕቲ ዝገበሮ ርክብ ዕዉት ምንባሩ'ውን ገሊጹ`ሎ።

ኣብቲ ኣብ ፑንትላንድ ዝርከብ በዓትታት ዝበዝሖ ጎቦታት ዝተፈጸመ ስርሒት ካልኦት 10 ምቕታሎምን`ውን መንግስቲ ኣመሪካ ኣፍሊጡ`ሎ። ሓይልታት ኣመሪካ ንኣል-ሱዳኒ ክሕዝዎ ድልየት`ኳ እንተነበሮም ክኾነሎም ከምዘይክኣለ`ውን ተሓቢሩ`ሎ።

እቲ ኣብ ሶማል ዝተቐትለ መራሒ ዳዕሽ፡ ንዓመታት ኣብ ራዳር ኣመሪካ ከምዝጸንሐ ይግለጽ።

XS
SM
MD
LG