ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሶማል ምስ ኬንያ ዝነበረ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ምሕዳሳ ሓቢራ


ሶማል ምስ ኬንያ ዝነበራ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ናብቲ ዝነበሮ ከምዝመለሰት ኣፍሊጣ።እዚ ዝኸውን ዘሎ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ብሽምግልና ቀጠር ድሕሪ ምዝርራቦም እዩ።

ምኽትል ሚኒስትር ሓበሬታ ሶማል ዓብዲራሕማን ዩሱፍ ኣልኣዳላ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለፂ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተቋሪጹ ዝምድና ሶማል ምስ ኬንያ ሕጂ ቀፂሉ ኣሎ ኢሎም።ንሶም ብምውሳኽ ንረብሓ ሰናይ ጉርብትና ምስ ኬንያ ርክባት ናብ ንቡር ተመሊሱ ኣሎ ኢሎም ።

መንግስቲ ኬንያ ብዛዕባ እዚ ዝበሎ የለን፤ግን ፕረዚደንት ኬንያ ትማሊ ሓሙስ ብቲዊተር ኣቢሎም ምስ ናይ ቀጠር ልኡኽ ዶክተር ሙትላክ ቢን ሚጂድ ኣል ቃታኒ ምርኻቦም ገሊፆም ኣለው።

XS
SM
MD
LG