ሶማል ድሕሪ`ቲ ዝተደናጎየን ነታ ሃገር ናብ ተወሳኺ ግጭት ደፊእዋ ዝነበረን መስርሕ ምርጫ ፡ ሓዲሽ ፕረዚደንት መሪጻ።
ሓዲሽ ፕረዚደንት ሶማል ኮይኑ ዝተመርጸ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ነታ ሃገር ናብ ሰላምን ዕርቅን ንምምራሕ ቃል እኳ እንተኣተወ እቲ ብድሆ ግን ቀሊል ከምዘይከውን ይግለጽ ኣሎ።
ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሶማል 2022፣ 39 ሕጹያት`ዮም ቀሪቦም ኔሮም። 328 ኣባላት ፓርላማ ድማ ድምጾም ሂቦም። ኣብቲ ተደጋጊሙ ዝተኻየደ ዙርያታት ምርጫ ፕረዚደንት ማሕሙድ 214 ድምጺ ብምርካብን ንፕረዚደንት ሶማል ኮይኑ ዝጸንሐ መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ብምብላጽን ተዓዋቲ ኮይኑ`ሎ።
ሕጂ ፕረዚደንት ኮይኑ ዘመርጸ ሓሰን ማሕሙድ ቅድሚ ሎሚ`ውን ፕረዚደንት ኮይኑ ካብ 2012 ክሳብ 2017 ኣገልጊሉ`ዩ። ንሱ ከምዚ ይብል፡“ከምቲ ኣነ ቅድሚ ሎሚ`ውን ዝገበርክዎ፡ ሎሚ ዝፋኖ ዘሎ ፕረዚደንት`ውን ስልጣን ከረክብ ከሎ ፍሉይ ክብሪ`ዩ። ህዝቢ ሶማል`ውን ከምኡ መሰልን ክብርን ኣለዎ። የመስግነኩም፡ ኣላህ ድማ ንኹልኹም ሰላም ይሃብኩም።"
ነበርቲ ሞቓዲሾ ነቲ ምርጫ ሓዲሽ ፕረዚደንት፡ ዝሓሸ መጻኢ ተስፋ ብምግባር ጸንቢሎሞ`ለዉ። እቲ ሓዲሽ ምምሕዳር ብፍላይ ጉዳይ ብልሽውና ዝዓበየ ብድሆ ከምዝኾኖ ብምርኣይቀዳምነታቱ ኣቐሚጡ`ሎ።
ኣምባሳደር ሶማል ዝነበረ ዓብዱራሕማን ኑር መሓመድ ከምዚ ይብል፡፡“እዚ ፕረዚደንት ንብልሽውና ክዋጋእ ኣለዎ። ሓላፍነታዊን ተኣማንን ፕረዚደንት ካብ ምዃን ሓሊፉ ነዛ ሃገር ካብ ብልሽውና ናጻ ንምግባር ነቲ መንግስቲ ብምልኡ፡ ኣብ ስነ-ምግባር ብኣብነት ክመርሖ ኣለዎ።"
ፕረዚደንት ሓሰን ማሕሙድ ዘለዎ ተመክሮ፡ ንጸገማት ሶማል ኣብ ምቅላስ ብልጫ ከምዝኾኖ ደገፍቱ ይገልጹ። ኣሕመድ ዲኒ፡ መስራቲ 'መስመር ሰላም ሶማል' ዝብሃል ኣብ ምፍታሕ ግጭታት ዝዋሳእ ትካል ኮይኑ፡ እቲ ፕረዚደንት ንኻልኣይ ግዚኡ ናብ ስልጣን ምምጽኡ ንጽቡቕ ንኽጥቀመሉ ዕድል ከምዝህቦ ይኣምን፡፡
ኣብ ጽርግያታት ሶማል፡ ሰባት ብዛዕባ መሪሕነት ሓሰን ማሕሙድ ተስፍኦም ይገልጹ። መሓመድ ኣሕመድ ዝተባህለ ነባሪ ሞቓዲሾሶማል ዘለዋ ታሪኽን ሕልኽላኻትን ዝርዳእ`ዩ ይብል።
“ካብ 2012 ክሳብ 2017 ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ፈደራላዊ ትካላት ኣብ ምትካል ጽቡቕ ስጉምትታት ኣርእዩ`ዩ።ሕጂ ድማ ጽቡቕ ይኸይድ ኣሎ። ስለዚ ነቲ ዝተረፈ ስራሕ ክምልኦ ንጽበዮ ኢና። ኣብኡ እምነት ኣለና።"
ፕረዚደንት ሓሰን ማሕሙድ ካብ መራሕቲ ዓለም ናይ እንቋዕ ሓጎሰካን ናይ ድጋፍ ቃልን ረኺቡ`ሎ። ኣብ ዝገበሮ መደረ፡ ነታ ሃገር ናብ ሓድነት ንምምጻእን ምስ ኩሎም ጽፍሕታት መንግስቲ ብሓባር ንምስራሕን ቃል ኣትዩ`ሎ።