ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስጳኛ ሓዲሽ ናህሪ ኮሮናቫይረስ ብምርኣያ ከፊላዊ እገዳ ጌራ


ስጳኛ ሓዲሽ ናህሪ ኮሮናቫይረስ ብምርኣያ ከፊላዊ እገዳ ጌራ። ሰለስተ ሚልየን ነበርቲ ማድሪድ ብዘይካ ናብ ስርሖም፣ ናብ ድኳናትን ናብ ሕክምናን ካብ ገዝኦም ከይወጹ ተነጊርዎም ኣሎ።

ኣብያተ መስተን መግብን ኣይተዓጽዋን ግን ሰዓታተን ቀልጢፈን ክዓጽዋን፥ ኮፍ መበሊ ብ50% ከጉድላን ተኣዚዘን ኣለዋ።

እቲ ብስምምዕ ቀዳማይ ሚንስተር ፐድሮ ሳንቸዝን ናይ ስጳኛ ብርክት ዝበላ ርእሰ-ምምሕዳራትን ዝተገበረ ውሳነ፥ ኣብ ኩለን ካብ 100,000 ህዝቢ ንላዕሊ ዘለወን ከተማታት ተግባራዊ ክኸውን ዝእዝዝ`ዩ።

ስጳኛ ድሕሪ ብሪጣንያ ኢጣልያን ፈረንሳይ ብልዕሊ 31,000 ሞት ራብዓይቲ ደረጃ ሒዛ ትርከብ።

ኣብ እስራኤል ከኣ ፡ ሰባት ካብ ገዝኦም ካብ ሓደ ኪ.ሜ ንላዕሊ ርሒቖም ሰልፊ ከይገብሩ ዝኽልክል ሕጊ ፓርላማ`ታ ሃገር ኣሕሊፉ።

ደገፍቲ`ቲ ሕጊ ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ መትሓዝቲ ኮሮናቫይረስ ንምዕጻፍ ኣድላይ እዩ ክብሉ ከለዉ-ተቓወምቱ ድማ ነቲ ኣብ ጥቓ ኣፍደገ መንበሪ ገዛ ቀዳማይ ሚንስተር ብተደጋጋሚ ዝካየድ ዘሎ ሰልፍታት ጠጠው ንምባል ዝዓለመ`ዩ ይብሉ።

ኣብዚ ኣሜሪካ ክልተ ካብ መንጎ ኣብ ዓለም ዝዓበያ መንገድታት ኣየር 32.,000 ሰራሕተኛታት ካብ ስራሕ ደው ከብሉ ምግዳዶም ይገልጹ። ኣሜሪካን ከምኡ ድማ ዩናይትድ ዝተባህላ መንገድታት ኣየር ኣሜሪካ፥ ካብ ፈደራል መንግስቲ ተወሳኺ ህጹጽ ሓገዝ ስለዘይተገብረልና ሰራሕተኛታት ክነጉድል ግድን`ዩ ይብላ`ለዋ። ክልቲኤን መንገድታት ኣየር፡ ኣብቲ መጀመርያ ናይ ኮሮናቫይረስ ግዜ ኣብ መጋቢት ካብ ፈደራል መንግስቲ 25 ቢልየን ዶላር ሓገዝ ክፍሊት ሰራሕተኛታት ተገይሩለን ኔሩ`ዩ ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ዲዝኒ ወርልድ ዝተባህለ ናይ መዘናግዒ ኢንዱስትሪ ኣሜሪካ`ውን 28,00 ሰራሕተኛታት ካብ ስራሕ ከምዘውጽእ ኣብ ዝገልጸሉ ዘሎ እዋን`ዩ።

XS
SM
MD
LG