ዋሽንግተን —
ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ሴኔጋል ብዝተረጋጋአ ስርዓት ኢሞክራሲ ሰላማዊ ባህላን ዝተፈልጠት ሃገር’ያ እንተኾነ ኣብ መላእ ዞባ ሳህል ዝረአ ብዘሎ ምንቅስቃስ ግብረሽበራን ኣብታ ሃገር ዝዓብይ ዘሎ ስግኣት ግብረሽበራን ኣሜሪካ ንዶባት ሴኔጋል ኣብ ምውሓስ ጸጥታ ጻዕርታታ ንኸተሐይል ይድርኻ’ሎ።
ባእታታት ዋህዮታት ዳዒሽ ንምዕራብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝህውኽሉ ዘለው እዋን ሴኔጋል ኣብ ውሽጢ ዶባታ ሰላማ ሓልያ ክትከይድ ጸኒሓ’ላ።
እንተኾነ ነታ ሃገር ህውከት ከቢብዋ ኣሎ፡95% ኸአ ሰዓቢ እምነት እስልምና ብምዃኑ ብቀሊሉ ህውከት ኣትዩ ነቲ ሰላማዊ ባህልን እምነትን ክህውኽ ተኽእሎ ኣሎ ክብሉ ክኢላታት የጠንቕቑ።