ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስድራቤት ብፖሊስ ዝተቐትለ ስደተኛ ድምጾም የስምዑ


ስድራቤት ብፖሊስ ዝተቐትለ ስደተኛ ድምጾም የስምዑ

ኣብ ክፍለ-ሃገር ሚሺጋን፡ ኣብ ቍጽሪ ሰሌዳ መኪና ብዝተራእየ ምድንጋር፡ ፖሊስ ንዘዋሪ እታ መኪና ድሕሪ ምቕታሉ፡ ሓያል ፍሕፍሕ ፈጢሩ ኣሎ። መዋቲ፡ ወዲ-26 ካብ ኮንጎ ዝመጸ ስደተኛ ኰይኑ ስድራቤቱ መረርኦም ይገልጹ ኣለዉ።

እቲ ናብ ቅትለት ዘብጽሐ ኣጋጣሚ፡ ወዲ-26 ዓመት ፓትሪክ ልዮያ ዝዝውራ ዝነበረ መኪና ምስ ቍጽሪ ሰሌዳኣ ስለ ዘይተሳነየ’ዩ። እቲ ትርኢት ንምዕዛቡ’ውን ዘጸግም’ዩ። ፖሊስ ከም ዝብሉዎ ልዮያ ሕጊ ትራፊክ ብምስጋሩ’ዩ ደው ክብል ተሓቢሩዎ።

ስድራቤት መዋቲ ሕጂ ንፈለማ እዋን ክዛረቡ ጀሚሮም ኣለዉ። ኣቦ መዋቲ ፔተር ልዮያ ነቲ ዘጋጠመ’ውን ንምርዳኡ ከም ዝተጸገመ ይገልጽ።

“ኣብ ኣመሪካ ከምዚ ዝመስል ቅሉዕ ቅትለት ኣሎ ኢለ ገሚተ ኣይፈልጥን። ፖሊስ ብብረት ገይሩ ንሓደ ሰብ ክቐትል ምርኣይ ዘደንጹ’ዩ። ሕጂ ዘሎኒ ትምኒት ግን ኣብ ኣመሪካ ናብ ፖሊስ እንተ በጺሕካ ድሕነትካ ሕሉው ምዃኑ ምርግጋጽ’ዩ፡”ይብል ልዮያ።

ኣደ መዋቲ ዝዀነት ዶርካስ ልዮያ’ውን ምስ ኣብ ዓዳ ገፊፋቶ ኢላ ዝሓሰበት ስእነት ጸጥታ ብምውድዳር’ያ እትገልጾ፤ “ኣብ ኮንጎ እንከሎና ካብ ጎንጺን ኲናትን ኢና ንሃድም ኔርና። ካብቲ ቦታ ኲናት ኣብዚ ምስ ኣቶና ድማ ኣብ ውሑስ ቦታ ዝበጻሕና መሲሉና ነይሩ። ሕጂ ወደይ ብጥይት ተሃሪሙ ክቕተል ክርእዮ እንከለኹ ግን ምእማኑ’ውን እጽገም፡” ትብል።

ቀታሊ ፖሊስ ገና መንነቱ’ውን ወግዓዊ ኣይኰነን። ድሕሪ’ቲ ፍጻመ ድማ ምሉእ ደሞዙ እናተኸፍሎ ዕረፍቲ ወሲዱ ኣሎ።

ሓላፊ ፖሊስ ግራንድ ራፒድስ ዝዀነ ኤሪክ ዊንስቶርም እቲ መርመራ ይከይድ ምህላዉ ይሕብር። ንባዕሉ’ውን ምሉእ ሓበሬታ ከም ዘይብሉን ርእይቶ ክህብ ከም ዘይደልን ከኣ ይውስኽ።

ንስድራቤት መዋቲ ዝውክል ዘሎ ጠበቓ፡ በዳሊ ግቡእ ፍርዲ ክረክብ ይማጎት ኣሎ። ንምንጽጻር ድማ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝገብሮ ዘሎ ኵነኔ ተመሳሳሊ ተግባር ክኽተል ይጽውዕ።

ሰልፈኛታት በቲ ዘጋጥም ዘሎ ተደጋጋሚ መቕተልቲ ጸለምቲ ሓንሳብን ንሓዋሩን ደው ክብል ይጽውዑ። እቲ ኣጋጣሚ ድማ ነቲ ኣብ 2020 ምስ ቅትለት ጆርጅ ፍሎይድ ዝነበረ ሰፊሕ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት የመሳስሉዎ። እቲ ለውጢ ክመጽእ እንተዀይኑ ተደጋጋሚ ምዅሕኳ ከም ዘድሊ ድማ ተጣበቕቲ ይኣምኑ።

XS
SM
MD
LG