ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስደተኛታት ጽዒና ኣብ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ ኣብ ዝተሰባበረት ጀልባ ካብ ዝነበሩ 62 ሰባት ሞይቶም


ሓንቲ ስደተኛታት ዝሓዘት ብእንጨይቲ ዝተሰርሓት ጀልባ ትማሊ ሰንበት 26 ለካቲት 2023 ወጋሕታ ኣብ ወሰናስን ባሕሪ ኢጣልያ ቕድሚ ምብጽሓ ብዘጋጠመ ሓደጋ ድሕሪ ምብትታና ብዉሑዱ 62-ሰባት ሞይቶም ክብሉ ሰበ ስልጣን ኢጣልያ ኣፍሊጦም። ካብ መንጎ’ቶም ዝሞቱ ብዉሑዱ’ቶም 12 ቆልዑ’ዮም።

ገለ ካብቲ ሬሳታት ኣብ ናይ መዘናግዒ ዞባ ካላባሪ ወሰናስን ባሕሪ ተገፉዑ ተረኺቡ’ሎ። ብሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ዝደሓኑን ካልኦት ሓምቢሶም ዝወፁን ሓዊሱ ብዉሑዱ 80-ሰባት ካብቲ ሓደጋ ድሒኖም’ለዉ።

ዝተረኽበ ስእሊ ከም ዘርእዮ ዓብይ ፍንጫል’ታ ጀልባ ካልኦት ስብርባራትን ኣብ ጥቃ ወሰናስን መዘናግዒ ባሕሪ ስታካቱ ዲ ኩትሮ ከምዝተረኽበ ኣርእዩ’ሎ።ዓብየ ዘሕዝን ሓደጋ’ዩ ክብሉ ከንቱባ ክሮቶን ቨንቸንሶ ገሊፆም’ለዉ።

ሓደ ካብቶም ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝተዋፈረ’ዩ ተባሂሉ ተጠርጢሩ ብሰበ ስልጣን ኢጣልያ ተታሒዙ’ሎ። እታ ጀልባ ካብ 150-200 ሰባት ሒዛ ምንባራ ደሓንቲ ይግምቱ። ብዙሓት ካብቶም ስደተኛታት ካብ ፓኪስታን ኣፍጋንስታን ምኻኖም’ቲ ዝበፅሓና ዜና ይሕብር።

እታ ጀልባ ቕድሚ ኣርባዕተ መዓልታት ካብ ቱርኪ ዝተበገሰት ምዃና'ውን ፖሊስ ኢጣልያ ሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG