ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

104 ስደተኛታት ጽዒና ንሓደ ሰሙን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጸንሓት መርከብ ኢጣልያ ምእታዋ ተገሊጹ


ፖሊስ ጣልያን 104 ስደተኛታት ጽዒና ንሓደ ሰሙን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጸንሓት መርከብ ጀርመን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምእታዎም ሓቢሮም።

አብታ መርከብ ዝነበሩ ስደተኛታት ኩሎም ኣብ ወደብ ፓዘሎ ሲሲሊ ከምዝተራገፉን ቀይሕ መስቀል ኢጣልያ ከምተቐበሎም’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

አባል ቀይሕ መስቀል ኢጣልያ ዝኾኑ ዶ/ር ቪንሰንዞ ሞረሎ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ኩሎም 104 ስደተኛታት ደቂ ተባዕትዮ ምዃኖምን ካብ ሃገራት ሱዳን፡ናይጀርያን ግብጺን ዝመጹ ምዃኖም ገለ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ከምዝርከብዎም’ውን ሓቢሮም ኣለው።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ክልተ ካብቶም ስደተኛታት ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝነጥፉ’ዮም ዝተባህሉ ጥርጡራት ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ምእታዎም ፖሊስ ኢጣልያ ኣፍሊጦም ኣለው።

XS
SM
MD
LG