ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“73 ስደተኛታት ደሃዮም የሎን” ዓለምለኸ ማሕበር ስደተኛታት


ሰሉስ 14 ለካቲት 2023 ካብ ሊብያ ተበጊሳ ናብ ኤውሮጳ ንምእታው ዝዓለመት ጃልባ ብምጥፋኣ ብውሑዱ 73 ስደተኛታት ሞይቶም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ዓለምለኸ ማሕበር ስደተኛታት (IOM) ትማሊ ኣብ ናይ ትዊተር ገጹ ኣመልኪቱ። ኣብታ ጃልባ ተሳፊሮም ዝነበሩ ሸውዓተ ተጓዓዝቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ተገፊዖም ምርካቦም’ውን ሓበሬታ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ይሕብር። እታ 80 ተጓዓዝቲ ሒዛ ዝነበረት ጃልባ፡ ቃስ ኣልካያር ካብ ዝተባህለ ኣብ ምብራቕ ትሪፖሊ ዝርከብ ቦታ’ያ ነቒላ።

ዛጊት 11 ሬሳታት ክርከቡ እንከለዉ፡ እቶም ዝደሓኑ ሸውዓተ ድማ ናብ ሕክምና ተወሲዶም ምህላዎም ኮሚተ ቀይሕ ወርሒ ሊብያ ሓቢሩ።

መስመር ሊብያ፡ ብመገዲ ማእከላይ ባሕሪ ናብ ኤውሮጳ ዘእቱ እቲ ዘይውሑስ መገዲን ህይወት ኣሽሓት ዝወስድን’ዩ።

መንግስቲ ኢጣልያን ኤውሮጳዊ ሕብረትን፡ ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ብመገዲ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ዝኣትዉ ስደተኛታት ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ክከታተሉዎም ሓላፍነት ሂቡ’ዩ።

XS
SM
MD
LG