ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

40 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጀልባ ብሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ከይተራእየት ኣብ ገማግም ሲሲሊ ኣትያ


ላዕለዋይ ባይቶ ኢጣልያ ጽኑዕ ሕጊ ኢምግሬሽን ድሕሪ ምሕላፉ ሓደ መዓልቲ 40 ስደተኛታት ዝጸዓነት ጀልባ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሲሲሊ ምዕራፋ ተገሊጹ።

እታ ንእሽተይ ናይ ገፈርቲ ዓሳ ጀልባ ነቶም ስደተኛታት ጽዒና ብሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ከይተራእየት ኣብ ገማግም ባሕሪ ፑንታ ቢናንካ ኣግጀንቶ ምብጽሓ ተገሊጹ’ሎ።

ስደተኛታት ዝጸዓኑ ካብ ቱኒዝያ ተበጊሶም ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ከይተራእዩ ኢጣልያ ዝበጽሑ ነአሽቱ ጀላቡ ሓሓሊፉ ዘጋጥም ተርእዮ እንተኾነ እዚ ናይ ሎሚ ፍሉይ ዝገብሮ ግን ስደተኛታት ካብ ጀልባ ወሪዶም ናብቲ ገማግም ክበጽሑ ብቪድዮ ብምስናዱ’ዩ።

ላዕለዋይ ባይቶ ኢጣልያ ዘሕለፎ ሓድሽ ሕጊ ብዘይ ፍቓድ ኢጣልያ ናብ ማያት ኢጣልያ ዝኣትዋ መራኽብ ክሳብ 1 ሚልዮን ዩሮ ናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ ወሲኑ’ሎ። ብተወሳኺ ካፕተን እተን መራኽብ ንትእዛዝ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ እንተዘይቐቢሎም ክሳብ ማእሰርቲ ዝበጽሕ መቕጻዕቲ ከምዝፍረዱን መራኽቦም ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ክኣትዋ ወሲኑ’ሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ብስፔን እትውንነን ኦፕን ኣርምስ ዝተባህለት ናይ ህይወት ኣድሕን መርከብ ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዘድሓነቶም 120 ስደተኛታት ጽዒና ንራብዓይ መዓልቲ ኣብ ባሕሪ ከምዘላ ይግለጽ ኣሎ።

አባላት ሓገዝ ወሃቢ ጉጅለ’ታ መርከብ መብዛሕትኦም እቶም ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ብብዙሕ ጎነጽ ዝሓለፉ ምዃኖም ይሕብሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን እታ መርከብ ኣብ ዓለምለኸ ማያት ጥቓ ደሴት ላምፓዱሳ ደው ኢላ ከምዘላ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

አባላት’ታ መርከብ ኢጣልያ እታ መርከብ ናብ ማያት ኢጣልያ እንተኣትያ 50 ሽሕ ዩሮ መቕጻዕቲ ከምትኸፍል ውሳነ ከምዘሕልፉ ምሕባሮም ይገልጹ።

ሰበ ስልጣን ኢጣልያ ካብዞም ብዓርቢ ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ 123 ስደተኛታት ክልተ ነብሰ ጾራት ካብታ መርከብ ምልዓሎም ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG