ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

74 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ድሒኖም፡110 ካልኦት ናብ ቱኒዝያ ተመሊሶም


ፋይል
ፋይል

ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት 74 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኖም ገሊጾም። ብተመሳሳሊ ሰበ ስልጣን ቱኒዝያ ማእከላይ ባሕሪ ብምቁራጽ ኣውሮጳ ንምብጻሕ ዝጉዓዙ ዝነበሩ 110 ስደተኛታት ምምላሶም ሓቢሮም ኣለው።

ሓካይም ብዘይዶብን ኤስኦኤስ ሜዲተራንያን ዝተባህላ ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ግብረ ሰናይ ዝውንናኣ 'ኦሻን ቫይኪንግ' ዝተባህለት መርከብ ስደተኛታት ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ትማሊ ሰንበት ምድሓናን ካብቶም ስደተኛታት ሽዱሽተ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ከምዝርከብዎም ሓቢሮም ኣለው።

ሚንስትሪ ጉዳያት ውሽጢ ሃገር ቱኒዝያ ብወገኑ ብዓርቢ ስደተኛታት ጽዒነን ካብ ገማግም ከተማ ሳፌክስ ዝተበገሳ ሰለስተ መራኽብ ምምላሶም ሓቢሩ ኣሎ።

ሓለዋ ባሕሪ ቱኒዝያ ነቶም ስደተኛታት ናብ ቱኒዝያ ምምላሱን 25 ናብቲ ባሕሪ ዝዘለሉ ስደተኛታት ምድሓኑ’ውን ገሊጹ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ኣገልግሎት ዜና ኢጣልያ ስለስተ ስደተኛታት ዝጸዓና ጀላቡ ትማሊ ሰንበት ናብ ኢጣልያ ምእታወን ሓቢሩ’ሎ። እተን ክልተ 26 ስደተኛታት ጽዒነን ዝነበራ ጀላቡ ኣብ ደሴት ላምፓዱሳ ዝኣተዋ ክኾና ከለዋ 15 ቱኒዝያዊያን ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ሳልሳይቲ ጀልባ ግን ደቡባዊ ሲሲሊ ኣትያ’ላ።

XS
SM
MD
LG