ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

256 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኖም ተገሊጹ


ባንዴራ ስጳኛ ተንበልብል ዝነበረት ሰብኣዊ ሓገዝ ወሃቢት መርከብ ትማሊ ሰንበት 256 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓና ገሊጻ።

ኦፕን ኣርምስ ቻሪቲ ዝተባህለ ትካል ግብረ ሰናይ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዘውጽኦ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ብቕድሚ ትማሊ ቐዳም መብዛሕትኦም ካብ ኤርትራ ዝኾኑ ክልተ ደቂ ኣንስትዮን 17 ትሕቲ ዕድመ ዝርከብዎም 96 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኑ ገሊጹ።

እቲ ትካል ወሲኹ ኣቐዲሙ ቕድሚ ክልተ መዓልታት 196 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ምድሓኑ ሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG