ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

114 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ግዒዞም


ሰበ ስልጣን ኢጣልያ ኣብ ሊብያ ዝጸንሑ 114 ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ጥቓ ሮም ኣብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ተቐቢሎምዎም።

እቶም ብትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝተሓረዩ ስደተኛታት፣ ካብ ትሪፖሊ ዝወጹ እዮም። ሶርያዊያን፣ ደቡብ ሱዳናዊያን፣ ሱዳናዊያን፣ ደቂ ደሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ፣ ሶማልያዊያንን ኤርትራዊያንን ዝርከብዎም ከምዝኾኑ’ውን እቲ ዜና ይሕብር።

ዛጊት 90 ሽሕ ሰባት፣ ማእከላይ ባሕሪ ብምቁራጽ ኢጣልያ ከምዝኣተው ዝገለጸ እቲ ዜና፣ ሎም ዘበን ግና በቲ ሓድሽ ፕሮጀክት ዝተረብሑ 500 ሰባት ጥራሕ እዮም።

XS
SM
MD
LG