10 ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ 100 ስደተኛታት ጽዒና ን19 ኣስታት መዓልታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጸንሓት ናይ ስፔን መርከብ ኦፕን ኣርምስ ብምዝላል ሓንቢሶም ገማግም ባሕሪ ወደባዊት ከተማ ላምፓዱሳ ንምብጻሕ ምፍታኖም ተገሊጹ።
እታ መርከብ ኣስታት 100 ስደተኛታት ጽዒና ምንባራን ኢጣልያ ብዘይመንግስታዊ ትካላት ዝውነና ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝንቀሳቀሳ መራኽብ ስደተኛታት ኣብ ምምልላስ ኢድ አለወን ብምባል ናብ ሃገራ ከይኣትው ምክልካላ መዕረፊ ስኢና ምቅናያ ይፍለጥ።
አባላት’ታ መርከብ ብወገኖም እቲ ኩነታት ካብ ክቆጻጸርዎ ዝክእሉ ንላዕሊ ምንባሩን ገለ ካብ’ቶም ስደተኛታት ህይወቶም ናይ ምጥፋእ ተኽእሎ ከምዘሎ ሓቢሮም ኣለው።
ሚንስትር መጉዓዝያ ኢጣልያ ብወገኑ ነቶም ስደተኛታት ናብ ስፔን ክአትው ፍቓድ ምርካቦም እንተገለጹ እዃ እታ መርከብ ስፔን ትኣትው ትጉዓዘሉ ናይ ግብረ ሰናይ ፍቓድን ባንደራ ስፔን ምስ ተውርድ እዩ: ኦፕን አርምስ ነዚ ጠለብ አሉታዊ መልሲ ሂባ’ላ።
ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ እቶም ስደተኛታት ናብ ውሑስ መሬት ክበጽሑ ጻውዒት ኣቕሪቡ’ሎ።