ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስደተኛታት ሸኸም ድዮም ወይስ ዕድላት ንግዲ?


ፋይል መዓስከር ስደተኛታት ካሙማ-ኬንያ
ፋይል መዓስከር ስደተኛታት ካሙማ-ኬንያ

ስደተኛታት ሸኸም ድዮም ወይስ ዕድላት ንግዲ? ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ ኣብ ባንኪ ዓለም ፋይናንሳዊ ኮርፖሬሽን ዓለም ዝተበሃለ ትካል ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ብዝገበሮ መፅናዕቲ ናይ ንግዲ ዕድላት እዮም ክብል ይከራኸር።

ብዕድመን ብስፍሓትን ካብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኬንያ ከተማ ካኩማ ዝርከብ መዕቖቢ ስደተኛታት ክኢላታት ናይቲ ትካል ኣፅኒዖምዎ ኣለው።ንውልቂ ኢንቨስተራት ዓብዪ ዕድል ምዃኑ ኣረጋጊፆም።

ስደተኛታት ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኬንያ ካኩማ ኣብ ዝርከብ መዕቖቢ ካምፕ ካብ ኣገልግሎት ዋይ ፋይ ክሳብ መሸጢ ዝተዓሸገ መግቢ ልዕሊ 2,000 ናእሽቱ ትካላት ንግዲ ይንቀሳቕሱ።

ኣብቲ ካምፕ ዝነበሩ መብዛሕቲኡ ኣታዊኦም ረድኤት እዩ።ካብታ ሃገር ዝረኽቡዎ ኣገልግሎታት የለን፣ብዙሓት ግን ከፈልቲ ግብሪ እዮም።ኢትዮጵያ ስደተኛ መስፍን ጌታሁን ንግዲ ከመይ ከምዝጀመረ ይዛረብ።

“ሒዘዮ ዝመፃእኹ ነገረ ኣይነበረንን።ካብ ባዶ ተላዒለ ኣብዚ መዕቖቢ ስደተኛታት ናይ ባዕለይ ንግዲ ጀሚረ።ተቖፂረ ንምስራሕ ብምድላይ እየ ጀሚረዮ።ሕዚ ግን ከምቲ እትሪእዎ ዘለኹ ኣብዚ ደረጃ እዚ በፂሐ ኣለኹ።”

International Financial Corporation /IFC/ ፋይናንሳዊ ኮርፖረሽን ዓለም ካኩማ ውዑይ ዘይስሩዕ ቁጠባ ስለዝኾነ ናይ ውልቂ መወልቲ ወይ ኢንቨስተራት ነዚ ዕድል እዚ ክብለፅሉ ይፅውዕ።

ሚሸል ቦዙንግ ኣብ ናይሮቢ ናይቲ ትካል ሰራሕተኛ እያ።

“እወ።ቀንዲ ትኹረት ናይ ውልቂ ዘፈረ ገንዘብ ምትራፍ እዩ።ናይ ውልቂ ዘፈር ብግዲኡ ነቲ ዘተናግድ ዘሎ ህዝብን ነቲ ስደተኛን ዕድላት ስራሕ ይፈጥር።ናይ IFC ተመኩሮ ሕሉፍ 60 ዓመታት ነዚ እዩ ዘርኢ።ቁጠባዊ ዕብየት እውን ናብቲ ከባቢ ይስሕብ።”

26 ዓመቱ ዘቑፀረ እዚ ናይ ስደተኛታት ካምፕ ንከተማ ካኩማን ናይ 56 ሚሊዮን ዶላር ቁጠባ ወሲኹላ’ሎ።

ቤንጃሚን ኤካል ኤክዋማ ወናኒ ሓደ መሸጢ ምፅሓፍ እዩ።ኣስታት 70 ሚእታዊት ንግዳዊ ርክባትና ምስቲ መዕቖቢ ስደተኛታት ብፍላይ ድማ ኣብዙሪኡ ምስ ዝሰርሑ ዘይመንግስታዊ ትካላትን እዮም ይብል።

ብዝሒ ህዝቢ ናይቲ መዕቖቢ ኣብቶም ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ብልዕሊ ዕፅፊ ወሲኹ’ሎ።እቶም ስደተኛታት ካብ 18 ሃገራት ዝመፁ ክኾኑ ከለው ኣብ ቀረባ ዝኣተው ግን መብዛሕቲኦም ደቡብ ሱዳናዊያን እዮም።

ኣብ ልዕሊ እቶም ስደተኛታት ዝተነብረ ደረት ምንቅስቓስ ብሕጋዊ ኣገባብ ንብረት ከየጥርዩን ከየካረዩን በነፃነት ተነቀሳቒሶም ምስ ኬንያዊያን ብሽርክና ከይሰርሑን ዕንቅፋት ኮይኑዎም ኣሎ።

ኬንያ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዘንበረቶ እገዳ እትቕይር ኣይትመስልን፤ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ግን ካብ ናይ መግቢ ረድኤት ናብ ናይ ገንዘብ ሓገዝ እናተሰጋገረ ይርከብ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ስደተኛታት ሸኸም ድዮም ወይስ ዕድላት ንግዲ?
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:42 0:00

XS
SM
MD
LG