ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስደተኛታት ሰራሕተኛታት ሕርሻ ኢጣልያ ተቓውሞን አድማን የካይዱ


ኣብ ደቡባዊ ኢጣልያ ሰራሕተኛታት ሕርሻ ንብዝበዝ ኣለና ክብሉ ብምቅዋም ሎሚ ረቡዕ ተቓውሞን ኣድማን ኣካይዶም።እቲ ተቓውሞም ኣድማን ዝተለዓለ 16 ሰራሕተኛታት ሕርሻ ዝኾኑ ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙናት ምሟቶም ስዒቡ እዩ።

እቶም ሰራሕተኛታት ኣብ ልዕሊኦም ይፍፀም ኣሎ ዝበሉዎም ስልታዊ ብዝበዛ ደው ክብል ይፅውዑ።‘’ሞት ኣብ ስራሕ ቦታ ይኣክል’’፣’’ድሕሪ ሎሚ ባርነት ይኣክል’’ ዝብሉ ጭርሖታት ብምሓዝ ፈቐዶ ጎደናታት ናይታ ሃገር ድምፆም ኣስሚዖም ኣለው።

እቶም ሰልፊ ዝካየዱ ዘለው ፎጊያ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሰንኪ ዘጋጠሙ ክልተ ሓደጋታት ትራፊክ 16 ስደተኛታት ሰራሕተኛ ሕርሻ ብምሟቶም እዩ።ቅድሚ ክልተ መዓልታት 12 ስደተኛታት ኣብ መኪና ብፅቕጥቕጥ ተሳፊሮም ካብ ስራሕ ናብ ገዝኦም ይጉዓዙ ኣብዝነበርሉ እዋን ብዘጋጠመ ሓደጋ ሞይቶም።ኩሎም ግዳያት ስደተኛታት ሰሜን ኣፍሪቃ ምኳኖም’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG