ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሊብያ: 260 ስደተኛታት 22 ኪ.ሜ. ብእግሪ ተጓዒዞም ካብ ተኣፋፊ መዓስከራቶም ይወጹ


ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ድሕሪ ኣብ ታጁራ ዝተባህለ መዳጎኒ ማእከል ዝሓለፈ ሰሙን ደብዳብ ነፈርቲ ምግጣሙ ኣብቲ ማእከል ተሪፎም ዝነበሩ ስደተኛታት ንወለንትኦም ካብቲ ማእከል ክወጹ ከምዘፍቐደ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ’ሎ።

እቲ ትካል ብተወሳኺ 55 ኣብ ተአፋፊ ኩነታት ዝነበሩ ደቂ ኣንስትዮን ስድራቤታትን ናብቲ ኣብ ትሪፖሊ ዝርከብ ማእከል ምእካብን ምፍናው ናብ ሳልሳይ ሃገርን ከምዘግዓዘ ሓቢሩ’ሎ።

እቲ ትካል ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ነቶም ተአፈፍቲ ኢሉ ዝፈለዮም ስደተኛታት ጥራይ ካብ ታጁራ መዳጎኒ ማእከል ከውጽእ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን እቶም ስደተኛታት ኩላቶም ክወጹ ወይ ድማ ኩላቶም ክተርፉ ብምሕታት እቲ መስርሕ ምትዕንቓፉ ኣይሓብኣን።

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ጨንፈር ሊብያ ኣብቲ ትማሊ ዘውጽኦ መግለጺ ካብቶም በቲ ትካል ናብ መጽንሒ ቦታ ዝገዓዙ 55 ስደተኛታት ብተወሳኺ 260 ብወለንትኦም ካብ ታጁራ ዝወጹ ስደተኛታት ናብቲ መጽንሒ ቦታ ምእታዎም ሓቢሩ’ሎ።

ድምጺ ኣሜሪካ ንገለ ካብቶም ብወለንትኦም ካብ ታጁራ ናብ ትራብሎስ ትሪፖሊ ብእግሪ ተጓዒዞም ዝኣተው 260 ስደተኛታት ኣዘራሪቡ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG