ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስደተኛታት መዳጎኒ ማእከል "ሻርዕ ሲታ" ሊብያ እንታይ ይብሉ?


ፋይል
ፋይል

ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ጨንፈር ሊብያ ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ መርበብ ሓበሬትኡን ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን’ቲ ትካልን ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ቤት ጽሕፈታቱ ስደተኛታት ንምምዝጋብ ምጅማሮም ይገልጹ።

ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለዩ መዳጎኒ ማእከላይ ዝርከቡ ስደተኛታት መግብን ክዳውንትን ዝኣመሰሉ ሓገዛት ከምዘበርኽት ይሕብር።

ይኹን ደአ እምበር ኣብ ‘ሻርዕ ሲታ’ ዝተባህለ መዳጎኒ ማእከል ስደተኛታት ዝርከቡ ስደተኛታት ግን ዝኾነ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ወኪል መጺኡ ርእይዎም ከምዘይፈልጥ ዘይከም ካልኦት መዳጎኒ ማእከላት ብገንዘቦም’ውን ዘድልዮም ነገራት ንምግዛእ ኮነ ንካልእ ንጥፈታት ካብቲ ማእከል ክወጹ ከምዘይፍቐደሎምን ሰብኣዊ ብዘይዝኾነ ኣተሓሕዛ ተታሒዞም ከምዘለው ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም።

ኣብቲ መዳጎኒ ማእከል ንኣስታት ሓደ ዓመት ዝጸንሓ ኤርትራዊ ጆን ኣብቲ መዳጎኒ ማእከል ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመጹ ኣስታት 350 ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ስደተኛታት ከምዘለው ይገልጽ።

ብሰንኪ ብዝሒ ሰብን ስእነት ሕክምናን እውን ዝበዝሑ ኣብቲ መዳጎኒ ማእከል ዘለው ስደተኛታት ከም ዓባይ ሰዓል ዝኣመሰሉ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ብተደጋጋሚ ከምዝጥቕዑ ይገልጽ።

ካልእ ኣብ ዝሓለፈ ቁሩብ ኣዋርሕ ኣብ ሊብያ ተፈጢሩ ብዝነበረ ኹናት ሓድሕድ ካብቲ ዝነበሮ መዳጎኒ ሃዲሙ ናብዚ መዳጎኒ ዝመጸ ገሬ አባዲ ድማ ንዝሓለፈ ሰለስተ ወርሒ ኣብቲ ቦታ ክነብር ምጽንሑ ብምግላጽ ብዛዕባ መነባብኦም እቶም ስደተኛታት ሓቢሩ’ሎ።

እዚ ቃለ መጠይቕ ቕድሚ ክልተ ሰሙን ዝተኻየደ ኽከውን ከሎ ንቤት ጽሕፈት ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ጨንፈር ሊብያ ምላሽ ንምርካብ ዘካየድናዮ ተደጋጋሚ ፈተነ ኣይተዓወተን። እዚ ቃለ መጠይቕ ብተወሳኺ ብሕቡእ ቴሌፎን ዝተኻየደ ብምኳኑ ንዘለዎ ናይ ድምጺ ዘይንጹርነት ይቕሬታ ንሓትት።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ስደተኛታት መዳጎኒ ማእከል "ሻርዕ ሲታ" ሊብያ እንታይ ይብሉ?
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:04 0:00

XS
SM
MD
LG