ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስዑድ ዓረብ ምብጻሕ ምእመናን ሕጃ ብስግኣት ኮሮና ቫይረስ ኣጊዳ


መካ ስዑድ ዓረብ
መካ ስዑድ ዓረብ

ስዑድ ዓረብ ብሰንኪ ዓለምለኻዊ ስግኣት ኮሮና ቫይረስ ናብታ ሃገር ዝግበር ምብጻሕ ምእመናን ሕጃ ከምዝኣገደቶ ተሓቢሩ። ብመሰርት ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ፤ ኣብዚ ግዜዚ ስግኣት ኮሮና ቫይረስ ካብ ቻይና ጥራይ ዘይኮነ ካብ ካልኦት ከም ኢጣልያ፤ ደቡብ ኮርያ ከምኡውን ኢራን ዝኣመሰላ ሃገራት ይርአ ብምህላው: እዚ እገዳዚ ክትግበር ከምዘገደደ ብተወሳኺ ተገሊጹ።

ሓደስቲ ተርእዮታት እዚ ሕማም ኣብ ኤውሮጳ ፤ ምውሳኽ ቁጽሪ በዚ ሕማም ተለኺፎም ናይ ዝሞቱ ዘለው ኣብ ኢራን ድማ ብኻልእወገን ንእገዳ በጻሕቲ ሕጃ ካብ ዝኾኑ'ውን ተጠቒሱ ኣሎ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፤ ኣመሪካን ደቡብ ኮርያን ከካይድኦ ንዝሓሰባ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ብሰንኪ ስግኣት ኮሮና ቫይረስ ከምዝተናወሐ ተሓቢሩ ኣሎ። ኣብ ተመሳሳሊ ዜና ኮሮና ቫይረስ: ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ንዝተወሰነ ሳምንቲ ክዕጸው ትእዛዝ ከምዘመሓላለፈ ተፈሊጡ።

XS
SM
MD
LG