ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስዑዳዊ ጋዜጠኛ ኣብ ቱርኪ ዝርከብ ቆንስል ስዑዲ ምሟቱ ተረጋጊጹ


ሰበስልጣን ቱርኪ ብስደት ኣብ ኣሜሪካ ይነብር ዝነበረ ስዑዲ ዓረባዊ ጋዜጠኛ ኣብ ቀረባ ንዝፍፅሞ መርዓ ዝኸውን ሰነድ ንምርካብ ኣብ ኢስታንቡል ኣብዝርከብ ናይ ስዑዲ ቆንስል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝኸደሉ እዋን ከምዝተቐተለ ኣብ መደምደምታ ምብፅሖም ገሊፆም።

ሰበስልጣን ስዑዲ ግን 59 ዓመት ዝዕድሚኡ ጀማል ኻሾጊ ንመዓልታት ሃለዋቱ እተጥፍአ እውን እቲ ክሲ መሰረት ኣልቦ እዩ ኢሎምዎ ኣለው።

ኣብ ደገ ትፅበዮ ዝነበረት ሕፅይቱ ሃቲስ ቸንጊዝ ግን ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ናብቲ ቆንስል ምስ ኣተወ ካብቲ ህንፃ ከምዘይወፀ ገሊፃ’ላ።እቲ ጋዜጠኛ ንስዑዲ ዓረብ ብምንቅፍ ይፍለጥ።

ናይ ቱርኪ ፕረዚደንት ረሲፕ ተይብ ኤርዶጋን ነቲ ኩነታት ይከታተሉዎ ከምዘለውን ውፅኢቱ ብዘየገድስ ወግዓዊ ከምዝገብሩን ትማሊ ሰንበት ንጋዜጠኛታት ተዛሪቦም።

ንሮይተርስ መግለፂ ዝሃቡ ሓደ ብዓል ስልጣን ቱርኪ መባእታዊ ገምጋም ፖሊስ ከምዝሕብሮ እቲ ጋዜጠኛ ኣብ ውሽጢ እቲ ቆንሱል ተቐቲሉ’ሎ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG