ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስዑዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ቀጠር ኣንቢራቶ ዝጸንሓት እገዳ ከምተልዕሎ ተሓቢሩ


ብመሰረት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኩዌት ስዑዲ ዓረብ ንዓመታት ኣብ ልዕሊ ቀጠር ኣንቢራቶ ዝጸንሓት እገዳ ከምተልዕሎ ተገሊጹ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኩዌት ኣሕመድ ናስር ኣል ሰባሕ ትማሊ ሶኑይ ብመደበር ቴሌቭዥን'ታ ሃገር ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ክልቲኣን ሃገራት ናይ ኣየር: መሬትን ማይን ዶባት ንምኽፋት ስምምዕ ከምዝተበጽሓ ሓቢሮም።

ክልቲኣን ሃገራት ነዚ ስምምዕ ሎሚ ሶሉስ ኣብ ዋዕላ ምትሕብባር ሃገራት ወሽመጥ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ከምዝፈራረሙ'ውን ተገሊጹ'ሎ።

ኣብ 2017 ስዑዲ ዓረብ: ዓረብ ኢማራት :ባሕሬን ግብጺን ቀጠር ግብረ ሸበራ ትድግፍ'ያ ብምባል ምስታ ሃገር ዝነበረን ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ምልሕላሑ ይዝከር: ቀጠር ግን ነቲ ክስታት ትነጽግ።

XS
SM
MD
LG