ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስዑዲ ዓረብ ንኣምባሳደር ካናዳ ካብ ሃገራ ትሰጉግ


ኢምባሲ ካናዳ ኣብ ስዑዲ ዓረብ
ኢምባሲ ካናዳ ኣብ ስዑዲ ዓረብ

ስዑዲ ዓረብ ኣብ ሃገራ ዝነበራ ኣምባሳደር ካናዳ ብምስጓግ፡ ምስ ኦታዋ ዝጀመረቶ “ሓድሽ ናይ ንግዲ ርክብ” ደው ምባላ ትማሊ ሶኑይ ኣፍሊጣ። ስዑዲ ዓረብ ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደት ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ካናዳ ንምእሳር ተሓለቕቲ መሰላት ደቂ ኣንስትዮ ብዝምልከት ኣብ ትዊተር ንዘውጽእኦ ነቐፌታ ግብረ መልሲ’ዩ።

ተመራመርቲ እቲ ኣብ መንጎ ኦታዋን ሪያድን ዝተላዕለ ፍሕፍሕ ስዑዲ ዝኾነ ዓይነት ናይ ደገ ነቐፌታ ከምዘይትቕበልን ካብ ሃገራ ወጻኢ ዘለዋ ጽልዋን ንምርኣይ’ዩ ይብሉ።

ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ እቶም ኣምባሳደር ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ካብታ ሃገር ክወጹን ኣብ ካናዳ ንዘሎ ኣምባሳደራ’ውን ከምትስሕብ ኣፍሊጦም።

“ካናዳ ኮነ ካልእ ዝኾነት ሃገር ካብቲ ንግስነት ንላዕሊ ተሓለቕቲ ዜጋታት ስዑዲ ዓረብ ክኾኑ ኣይኽእሉን” ኢሎም።

ወሃቢት ቃል ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሜሪ ፐር ባሪል ብወገነን ካናዳ እቲ ናይ ስዑዲ ዓረብ ውሳነ ከምዘተሓሳሰባ ብምግላጽ ካናዳ ኩሉ ጊዜ ንሰብኣዊ መሰላት ሰባት እዚ ማለት ድማ መሰል ደቂ ኣንስትዮን ብነጻነት ናይ ምዝራብ ነጻነት ሓዊሱ ምክልካል ከምትቅጽል ኣፍሊጠን።

XS
SM
MD
LG