ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስዑዲ ዓረብ ናብ ኤርትራ:ኢትዮጵያን ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ሓዊሱ ናብ 10 ሃገራት ዝካየድ መገሻ ደው ምባላ ተገሊጹ


ስዑዲ ዓረብያ ብሰንኪ ስግኣት ኮሮና ቫይረስ ናብ ገለ ሃገራት ዝካየድ መገሻታትን በረራታት ንግዚኡ ደው ምባላ ኣገልግሎት ዜና’ታ ሃገር SPA ሎሚ ሓሙስ ኣፍሊጡ።

ንሚንስትሪ ጉዳያት ውሽጢ ሃገር ዝጠቐሰ ኣገልግሎት ዜና ስዑዲ እዚ ውሳነ ንሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ፡ኤርትራ፡ኢትዮጵያ፡ስዊዘርላንድ፡ህንዲ፡ፓኪስታን፡ስሪላንካ፡ፊሊፒንስ፡ሱዳን፡ደቡብ ሱዳን፡ኬንያ፡ሶማልን ጅቡቲን ዘጠቓልል ምዃኑ ሓቢሩ’ሎ። እቲ ውሳነ ብተወሳኺ ካብዘን ሃገራት ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝኣትው ዜጋታት’ውን ዝክልክል ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።

ስዑዲ ዓረብ ዋላ’ዃ ናይ ንግዲን ጽዕነት ምንቅስቃስ እንተቀጸለ ብመሬት ናብ ጆርዳን ዝካየድ መገሻታት ሰባት ግን ደው ምባላ ተፈሊጡ’ሎ።

እዚ ውሳነ ኣብ ሞያ ሕክምና ንዝሰርሑ ዜጋታት ፊሊፒንስን ህንዲን ዝምልከት ከምዘይኾነ’ውን ተሓቢሩ’ሎ።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ክሳብ ሕጂ 45 ብሕማም ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት ምርካቦም ይፍለጥ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG