ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስዑዲ ዓረብ ብዓብይ ጽንብል ንፕረዚደንት ቻይና ትቕበል


ልኡል ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን ሃገሮም ምስ ቻይና ዝህልዋ ርክብ ንምዕሟቕ ዘለዋ ድልየት ብዘርኢ ንፕረዚደንት ቻይና ዢ ጂን ፒንግ ሎሚ ሓሙስ ብድሙቕ ተቐቢሎምዎም። ስዑዲ ምስ ኣመሪካ ዘለዋ ርክብ ጥንቃቐ ዘለዎ እዩ።

መራሒ ቻይና ዢ ጂን ፒንግ ነቲ ዑደት ኣብ ርክባት ሃገራት ዓረብ "ሓዱሽ መዋእል" ክብሉ ፀዊዖም።

አባላት ሓለዋ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ባንዴራታት ክልቲኣን ሃገራት ብምሓዝ ኣፍራስ እንዳጋለቡ ንናይቶም ፕረዚደንት መኪና ብምዕጃብ ናብቲ ኣብ ሪያድ ዝርከብ ቤተ መንግስቲ ክኣትው ከለው ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ብፍሽኽታ ተቐቢሎምዎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ንፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ምስ ዝተገበረሎም ኣቀባብላ ክነፃፀር ከሎ እዚ ዝለዓለ እዩ። ብሰንኪ ፖሊሲ ፀዓት ስዑዲን ናይ 2018 ቕትለት ጋዜጠኛ ጀማል ኻሾጊን ርክብ ኣመሪካን ስዑዲን ሓርፊፉ እዩ።

ቻይና ምስ ሪያድ ዘለዋ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ድልየትን ርክባትን ከምኡ እውን ኣብ ዙሪያ ዓለም ፅልዋኣ ንምዕባይ ተካይዶ ዘላ ፃዕርታት ብጥንቃቐ ትከታተል ዘላ ኣመሪካ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ እትኽተሎ ፖሊሲ ከምዘይትልውጥ ትማሊ ረቡዕ ገሊፃ።

ርዝነት ዑደት ዢ ጂን ፒንግ ንምጉላህ ነፋሪቶም ናብ ናይ ስዑዲ ክልል ኣየር ምስ ኣተወት ብነፈርቲ ውግእ ሓይሊ ኣየር ስዑዲ ዝተዓጀበት ኮይና ትማሊ ረቡዕ ኣብ መዕረፎ ነፈርቲ ላዕለዎት ንጉሳዊያን ክቕበሉዎም ከለው ድማ ንኽብሮም 21 መድፍዕ ተተኵሱ።

ዢ ጂን ፒንግ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ስዑዲ ኣብ ዝተሓተመ መልእኽቶም ጉዕዝኦም ምስ ናይ ዓረብ ዓለምን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ሓዱሽ መዋእል ንምኽፋት ፈላሚ ጉዕዞ ኢሎምዎ ኣለው።

ኣብ ዓለም ዝዓበየት ተጠቃሚ ፀዓት ዝኾነት ቻይና ምስ ሃገራት ወሽመጥ ዓባይ ናይ ንግዲ መሻርክቲ እያ። ትካላት ቻይናን ስዑዲን 34 ስምምዓት ኢንቨስትመንት ተፈራሪሞም ኣለው።

መንግስታዊ ኣገልግሎት ዜና ስዑዲ ቅድም ኢሉ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ናይ 30 ቢሊዮን ዶላር ስምምዕ ክፍርማ ምዃነን ሓቢሩ ኔሩ።

XS
SM
MD
LG