ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስዑዲ ዓረብ ምእመናን ንምብጻሕ ሕጃ ዘካይድዎ ምድላው ከናውሕዎ ሓቲታ


ስዑዲ ዓረብ ኣመንቲ እስልምና ናብ ሕጃ ንምብጻሕ ዘካይድዎ ምድላዋት ብሰንኪ ዝርግሓ ኮሮና ቫይረስ ንግዚኡ ንከናውሕዎ ሓቲታ።

ስዑዲ ዓረብ ኣብ መጀመርያ’ዚ ወርሒ ነቲ ምሉእ ዓመት ዝካየድ ምብጻሕ ‘ኡምራ’ ዝርግሓ ኮሮና ቫይረስ ንምክልካል ደው ምባላ ይዝከር።

ሰበ ስልጣን ስዑዲ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝካየድ ምብጻሕ ሕጃ’ዚ ዓመት ዝምልከት ውሳነ ገና ኣየሕለፉን።

ምብጻሕ ሒጃ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ካብ መላእ ዓለም ዝተአኻከቡ ኣስታት 2.5 ሚልዮን ሰባት ዝተአኻከቡ ክኾኑ ከለው ሓደ ካብ ቀንዲ ምንጪ አታዊ ስዑዲ ዓረብ’ውን’ዩ።

ስዑዲ ከም አካል ዝርግሓ ኮሮና ቫይረስ ንምክልካል ተኻይዶ ዘላ ጻዕርታት ብዘይካ ኣብ ክልተ ዓበይቲ መሳጊድ ኣብተን ካልኦት መሳጊድ ጸሎትን ምትእኽኻብን ምእጋዳ ይፍለጥ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ስዑዲ ብኮሮና ቫይረስ ዝተታሕዙ 1,563 ሰባትን ድማ በቲ ሕማም ዝሞቱ 10 ስባት መዝጊባ’ላ።

XS
SM
MD
LG